እዋናዊ መግለጺታት

Current Announcements


ኢሰያስ ኣፈወርቂ፡ እቲ ኣብ ሜዳ ዝፈጸሞ ገበናት ከይኣኽሎ፡ ኣብ 1991 ኣብ ኤርትራ ስልጣን ካብ ዝጭብጥ ኣትሒዙ ክሳብ ሕጂ ኣብ ልዕሊ ህዝብናን ሃገርናን ብጀኖሳይድ ዝግለጽ ገበን ኢዩ ክፍጽም ጸኒሑን ገና ዝፍጽም ዘሎን። ኣብ ገጊዚኡ ሓደስቲ መደናገሪታትን ህዝቢ ከታልለሉ ዝኽእል፡ ሓንሳብ ብሓምሻይ መስርዕ፡ ሓንሳብ ብባድመ ካልእ ግዜ ድማ ኢትዮጲያ ከይትበታተን፡ ሕጂውን ብስም ዓሰብን ዝብሉ ምኽንያታት እንዳመሃዘ ከጥፍኣናን ክሳብ ሕጂ ኣብ ልዕሌና ሰይ ሰይ ክብል ኪኢሉ ኣሎ። ከምዚ እንዳገበረዩ ንነብሱ ከም ተሓላቓይን ተኸላኻልን ልዑላውነት ኤርትራ ገይሩ ክቕርባን ህዝቢ ከታልልን ዝፍትን። ገለ ተቓውምቲ ኢና ዝብሉ ኣካላት ከይተረፉውን፡ ከምቲ ኣብ ግዚ ወራር ትግራይ ዝተረኣየ፡«ዓሰብ»፡ «ልዑላውነት» ዝብሉ ዝተፈላለዩ ምኽንያታት ህግደፍ ክደግሙ ክንሰምዕ ጀሚርና ኣሎና። እቲ ቀንድን ቀዳማይን ጸላኢ ልዑላውነት ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ግን እቲ ብውልቀመላኺ ኢሰያስ ኣፈወርቅን ጉጅልኡን ዝምራሕ ኣካል ኢዩ። ስለዚ ድማ ምስዚ ጉጅለዚ ኰንካ ክሕሎን ክኽበርን ዝኽእል ልዑላውነት ሃገር ይኹን ልዑላውነት ህዝቢ የለን።

ከምቲ ኩላትና ንከታተሎ ዘሎና ኣብ ዞባና ናብ ዝኸፍአ ናዕብን ግጭታትን ከእቱ ዝኽእል ሓደገኛ ኩነት ይቕጽል ኣሎ። እቲ ቅድሚ ኣስታት ኣርባዕተ ዓመታት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተኻየደ ወራር ሕጂ ናብ ኩሉ መኣዝናት ኢትዮጲያን እቲ ዞባን ልሒዂ ፡ ተወሰኽቲ ዞባዊ ሓይልታትውን ሓዊሱ ሓደገኛ ኩነታት ይፍጠር ኣሎ። ሃገርና ኤርትራ ድማ ብገባቲ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ኣቢላ ኣብዚ ናይ ጥፍኣትን ኲናትን ኩነት ቀንዲ ተዋሳኢት ኮይና ጸኒሓን ኣላን። እቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ኣብ ሞንጎ ኤርትራን ግብጽን ሶማልያን ዝተገበረ ናይ ሰለስተ መንግስታት ሽርክነት ሓደ ካብ ብዙሓት ጭቡጣት መረኣያታት ኢዩ።

ብዘይካዚ ጻሕታር ኲናት ውልቀ መላኺ ዝጨወያ ሃገርና ኤርትራ ኣብ ዞባና ይኹን ኣብ ዓለምለኻዊ መድረኽ ዘተኣማምን መሻርኽቲ የብላን። ኣብ ውሽጢዚ ዝሓለፈ ሰላሳ ዓመታት ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ኩለን ጎረባብታሃገራት ኲናት ከፊታ ኢያ። ናብ ከም ሶማልን፡ ረፓብሊክ ኮንጎን ደቡብ ሱዳንን ሰራዊታ ልኢኻውን ምስቶም መንግስታት ይኹን ህዝብታት ተዳምያ ኢያ። ስለዚ ድማ፡ ጎረባብትና ሃገራትን ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃን ካልኦት ትካላት ኣፍሪቃን ንኤርትራ ከም ግዝኣተ ዕግርግር ኢዮም ዝፈልጡዋ። ኣብ ዓለምለኻዊ መዳይውን ጸላእቲ እንዳፈጠረ ኢዩ ክኸይድ ጸኒሑን ዘሎን። ስለዚዩ ድማ ቀጻልነት ህግደፍ፡ ንህዝብናን ግዝኣታዊ ልዑላውነት ሃገርናን ሓደጋ ዝኸውን።

ንሕና ከም ፈልሲ ሰላምን ዲሞክራስን ኤርትራ ኣብ ኤርትራ ናይ ስርዓት ለውጢ (Regime Change) ክግበርን፣ ህግደፍን ጨፍጨፍቲ ትካላቱን፡ ማለት፡ ፖለቲካውን፡ ወተሃደራውን፡ ጸጥታውን፡ ማሕበራውን ትካላቱ ተኣልዮም፡ ብሓድሽትን ህዝባውያንን ትካላት ክትክኡ ኢና ንቃለስ ዘሎና። ኣብዚ እነካይዶ ዘሎና ቃልሲ ድማ ብደረጃ ሃገር ምስ ተመሳሳሊ ዕላማታት ዘለዎም ኣካላት ብሓባር ኰና ንቃለስ ኣሎና። ካብዚ ሓሊፉውን ምስ ኣብ ከባቢና ዘለዉ ህዝብታትን ኣካላትንውን ኣብ ንጹር መትከላት ዝተሰረተ ዝምድናታት ፈጢርና ምእንቲ ናይ ሓባር ረብሓታት ኣንጻር ናይ ሓባር ጸላኢናን ኩለ መዳያዊ ቃልሲ ከነካይድ ኢና።

ኣብዚ እዋንዚ እምበኣር ኩሉ ዓቕምታ ተቓለስቲ ኣንጻር ቀዳማይ ጸላኢና ኢሰያስ ኣፈወርቅን ስርዓቱንዩ ክቐንዕ ዝግብኦ። ኣብ ጎኒ ኢሰያስ ኣፈወርቅን ትካላቱን ኰንካ ክሕሎ ዝኽእል ልዑላውነት ህዝቢ ይኹን ልዑላውነት ሃገር የለን። ምኽንያቱ ቀንዲ ጸላኢ ልዑላውነትና ኣብ ኤርትራ ስልጣን ጨቢጡ እንዳሃለወ፡ ምስኡ ኰንካ ክሕሎን ክኽበርን ዝኽእል ልዑላውነት ክህሉ ስለዘይክኣል።

መጸዋዕታ ንህዝቢ ኤርትራን ኣባላት ሰራዊትን ኣብ ደገ ዝርከቡ ደገፍቲ’ቲ ስርዓትን!

ክቡር ህዝቢ ኤርትራ፡ በቶም ኣብ ገጊዚኡ ዝቐርቡልካ ምኽንያታትን ምስምሳትን ከይተታለልካ፡ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ወጊድ ክትብሎ ከነተሓሳስበካ ንደሊ። እዚ ስርዓትዚ ብዘይካ ኣብ ጸጽባሕ ደቅኻ ናብ ኲናትን ሞትን ምልኣኽን ዝተረፉ ድማ ናብ ስደት ሃጽ ኢሎም ክጠፍኡ ምግባርን ሓሊፉ ካልእ ከምጸኣልካ ዝኽእል ዋላ ሓንቲኳ ረብሓ የልቦን።

ኣባላት ሰራዊት ኤርትራ እቲ ሰርዓት መደባቱ ንምዕዋት ዝጥቀመልኩምን ንቡር ህይወትኩም ዝተመንጠለኩምን ግዳያት ኢኹም። እዚ ስርዓትዚ ክሳብ ዝሃለወ ድማ ካብ ሞትን ጥፍኣትን ክትድሕኑ ኣይትኽእሉን ኢኹም። ስለዚ ሕጂውን ናይ ኢሰያስ ኣፈወርቂ መወዳእታ ዘይብሉ ናይ ኲናትን ሞትን መደባት ክትጻረሩን ነብስኹም ከተድሕኑን ንምሕጸነኩም። ካብዚ ሓሊፉውን ብረትኩም ኣንጻር እቶም ልዑላውነት ሃገርና ከም ዝድፈርን ህዝብና ናብ ዘይውጻእ ዓዘቕቲ ከም ዝሸመምን ዝገብርዎ ዘለዉ መራሕትኹም ከተቕንዕዎን ናብ ተቓለስቲ ኣሕዋትኩም ክትጽንበሩን ንጽውዓኩም።

ኣብ ደገ ዘሎኹም እሞ ንህግደፍ ትድግፉ ህዝብና ድማ ካብ ዝሓለፈ ተሞክሮታትኩም ተማሂርኩም ነዚ ኣብ ስደት ከርተት ዘብለና ዘሎ ስርዓት ዝግበር ደገፍ ሙሉእ ብሙሉእ ጠጠው ከተብልዎን ኣብ ጎኒ ተቓለስቲ ደቅኹም ደው ክትብሉን ንምሕጸነኩም።

ኩሉ ዓቕምታትና ኣንጻር ቀዳማይ ጸላኢና ጉጅለ ህግደፍ ይቕናዕ!

ፈልሲ ሰላም ዲሞክራስን ኤርትራ
ሕዳር 03/2024

PDF ትግርኛ


ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት መራሕቲ ሶማልያን ግብጽን ኣብ ኤርትራ ምስ ውልቀ መላኺ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ተራኺቦም ናይ ሰለስቲኤን ሃገራት ጥምረት መስሪቶም ኣለዉ። ናይ ሰለስቴን ሃገራት ናይ ወጻኢ ጉዳያት ሚኒስተራት ዝርከብዎ ልዑል ናይ ሓባር ኮምቴውን መስሪቶም ኣለዉ። ኤርትራ ምስዘን መዳውብታ ዘይኮና ክልተ ሃገራት ርኡይ ዝኾነ ኤኮኖሚያዊ ይኹን ማሕበራዊ ዝምድናታት የብላን። ስለዚ እቲ ናይ ሰለስቲኦም ርክብ ነዞም ጉዳያት እዚኣቶም ዘሳልጥ ክኸውን ኣይክእልን። እምበኣር እዚ ጉዳይዚ ኣብ ድሮ ካልእ እኲናት ኣቲና ከም ዘሎና ጥራሕዩ ከመላኽት ዝኽእል። ሕጂ ኸኣ መንእሰያት ኤርትራ ኣብ ዘይምልከቶም ኲናት ኣትዮም ዝጠፍኡሉ ሓደገኛ ኩነት ንኣቱ ከም ዘሎና ንርኢ ኣሎና። ናይቶም ኣብ ትግራይ ብዝወጽዎ ዝተረፉ ዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ደቆም ሓዘን ብወግዒ ዘይጀመሩን ዘይዛዘሙን ወለዲ ካልእ ናይ ሓዘንን ዋይዋይታን መዓት ኢዩ ዝዳለወሎም ዘሎ።

ውልቀ መላኺ ኢሰያስ ኣብ 2018 ምስ ዶር. ኣቢይ ኣሕመድን ናይ ሽዑ መራሒ ሶማሊያ ዓብደላ ፎርማጆን ተመሳሳሊ ናይ ሰለስተ መራሕቲ ናይ ኲናት ኪዳን ፈጺሞም ነይሮም ኢዮም። እቲ ኩሉ ካብ ሓደ ሃገር ናብ ካልእ ሃገር ዝግበር ዝነበረ ዙረትን፣ ዝምደብ ዝነበረ ውጥናትን፣ ሸብዳዕድዕን ፈስታታትን ግን ንሰላምን፣ ዕብየትን፣ ጠቕምን፣ ሕውነትን ህዝብታት ናይዘን ሃገራት ዘይኮነስ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ናይ ጽንተት ኲናት ንምሕንጻጽን ንምፍጻምን ኢዩ ነይሩ። ኣብዚ ሰራዊት ኤርትራ ብሙሉእ ትሕዝቶኡ ዝተሳተፈሉ ኲናት ድማ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ናይ ጽንተት ወፈራ ተኻይዱ። ኣብዚ መራሕቲ ሻዕብያ "ኢትዮጲያ ከይትብተን" ብዝብል ምስምስ ዝፈጸምዎ ናይ ህልቂት ወራር ሃገርና ኤርትራን ህዝብናን ብዘይካ ብርቱዕ ጉድኣትን ሓዘንን ዋላ ሓንቲ ጠቕሚ ኣይረኸብሉን።

ኣብ መወዳእትኡ ድማ። እቲ ናይ ጽንተት ኲናት ፈሺሉ፣ ናይ ፕረቶርያ ናይ ሰላም ውዕል ተፈሪሙ፣ ውልቀ መላኺ ኢሰያስ ተኾሊፉ ኣብ ትግራይ ኲናት ጠጠው ኢሉ፣ ህዝቢ ትግራይ ድማ ሰሪሩ። እቶም ኣብ ግዜ ኲናት ዝተዓራረኹ፣ ኣብ ግዜ ሰላም ግን ዝበኣሱ ኢሰያስን ኣፈወርቅን ዶር. ኣቢይን ተባኢሶም ድማ፣ ሕጂ ኢሰያስ ካልእ ናይ ሰለስተ መራሕቲ ጥምረት ጀሚሩ ላዕልን ታሕትን ክብል ከም ዝጀመረ ንርእዮ ኣሎና። እዚውን ከምቲ ዝሓለፈ፣ ኣብ ድሮ ናይ ካልእ ኲናት ኣቲና ከም ዘሎና ኢዩ ዘመላኽት።

ድሮውን እቲ ስርዓት ከም ኣመሉ ነዚ ኲናትዚ ዝኸውን መድናገሪታት ብውሽጢ ውሽጥን ብጋህድን ይዝርግሕ ኣሎ። እቶም ልሙዳት መመኽነታታት፣ "ትግራይ ክትወረና ትሓስባ ኣላ" "ኢትዮጲያ ዓሰብ ክትወስድ ክትወረና ኢያ" "ሶማሊያ ብኢትዮጲያ ከይትውረር" . . .ዝብሉ ምስምሳት ድሮ ክንሰምዕም ጀሚርና ኣሎና። ህዝብና ሕጂውን በዞም ከምዚኦም ዝብሉ ምስምሳት ክታለል የብሉን።

ንሕና ከም ፈልሲ ሰላምን ዲሞክራስን ኤርትራ፣ ከምቲ ዝሓለፈ ነዚ ዝግበር ዘሎ ናይ ሰለስተ ሃገራት ኣዕናዊ ምትእስሳርን፣ ምቅርራብ ንኲናትን ክንኩንኖን ክንቃለሶን ኢና። ምስ ካልኦት ተቓለስትን ኣብ ደገ ዝርከብ ህዝብናን ብሓባር ኣንጻርቲ ክስዕብ ዝኽእል ሓደጋታት፣ ጽዑቕ ዲፕሎማሲያዊ ስራሓት ምክያድን ናይ ተቓውሞ መደባት ምስራዕን ከድልየና ኢዩ። ኩላትና ብሓባር ህዝብናን መንእሰያታትና ንምድሓን ከይተሓለለና ክንሰርሕን ክንቃለስን ኢና።

መጸዋዕታ ንህዝብን ሰራዊትን ኤርትራ!

እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ህዝብና ነዚ ከይስዕብ ንፈርሖ ዘሎና ኲናት ተረዲኡ ካብቲ ክመጽእ ዝኽእል ሓደጋ ነብሱ ከድሕነሉ ዝኽእል መንገድታት ክሓስብ የድሊ። እቶም ኣባላት ሰራዊትውን ናይ መጀመርታ ግዳይ ንሳቶም ስለዝኾኑ ብኣግኡ ካብቲ ሓደጋ ንምድሓን ፍታሕ ከናድዩን ጠበንጃታቶም ኣንጻርቶም ወግሐ ጸብሐ ኣብ ኲናት ዝሸምዎም ዘለዉ መራሕቶም ከቕንዑን ንጽውዖም።

ፈልሲ ሰላም ዲሞክራስን ኤርትራ
18.10.2024

PDF ትግርኛ


ህዝቢ ትግራይ ብፍላይ ካብ ምጅማርን ምክያድን ናይቲ ኣብ 2020 ናይ ጽንተት ኲናት ኣብ ቀጻሊ ናይ ዕጽዋን ከበባን ሃለዋትን፣ ኣብ ናይ ጽባሕ ኣረመናዊ ኲናት ኩለመዳያዊ ሳዕቤናትን ይርከብ ኣሎ። ኣብ ርእሲቲ ብሰላሕታ ክጸንት ዝግበር ዘሎ ዕጽዋን ከበባን፣ ኣገደስትን ዓበይትን ግዝኣታቱ ኣብ ትሕቲ ወረርቲ ይርከቡ ኣለዉ። ብሚልዮናት ዝቑጸር ህዝቢ ድማ ካብ መረበቱ ተፈናቒሉ ኣብ ቀጻሊ ናይ ሰንፈላልን ጭንቅን መከራን ዘስካሕክሕ ኣተሃላልዋ ይርከብ ኣሎ። ሕጂ ድማ ኣብ ሞንጎ ፖለትከኛታቱ ምውጣጥ ይርአ ኣሎ። ስለዚ ንሕና ከም ፈልሲ እቲ ኣብ ትግራይ ዘግጥም ዘሎ ኩነታት ሓደ ክባቶም ኣገደስቲ ጉዳያትና ስለዝኾኑ ነዚ መግለጺዚ ከምውጽእ ኣገዳሲ ኮይኑ ረኺብናዮ።

ቅድሚ ኹሉን ልዕሊ ኹሉን ግን፣ ዝኾነ ነገር ክግበር ዝከኣል ግዝኣትካ ምስ ዝረጋገጽ ስለዝኾነ ብመሰረት ውዕል ፕረቶሪያ ምምላስ ልዑላዊ ግዝኣት ትግራይ ቅድሚ ኩሉ ነገራት ተሰሪዑ ክስረሓሉ ይግባእ። ኩሎም ኣካላት ትግራይ ኣብዚ ነጥብዚ ዓሲሎም ብንጥፈት ክቃለሱሉን ከረጋግጽዎን የድሊ። እዚ ምስ ዝትግበር ተመዛበልቲ ናብ ቦትኣኦ ክምለሱን ውሑስ ብዝኾነ መንገዲ መዓልታዊ ህይወቶም ክመርሑ ኣብ ርእሲ ምኽኣሎም ኣብ ትሕትቲግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣብቲ ዞባታት ብህዝባዊ ተሳትፎ ኣብ ኩሎም ጽፍሕታት ግዚያዊ ምምሕዳራት ክምስረት ይኽእል።

1. ኣብ ሞጎኹም ዘሎ ምውጣጥን ምትህልላኻን ብሓባት ፍታሕ ክትረኽቡሉ ንላቦ።

2. ሕጂ መሰረታዊ ሽግር ህዝቢ ትግራይ ጉዳይ ዕጽዋን ከበባን ስለዝኾነ ካብዚ ሰላሕታዊ ጽንተት ንምድሓን ኩሉ ዓቕምታት ኣተሓባቢሩ ክሰርሕ ንምሕጸን።

3. ሎሚ ህዝቢ ትግራይ ንዳግማይ ኲናት ክጸውር ዝኽእል ማእገር ስለዘይብሉ ኩሎም ናይ ሰላም ኣማራጺታት ጸንቂቕካ ምጥቃም ከም ዘድሊ ነዘኻኽር።

4.ኣብ ሞንጎኦም ዘሎ ምውጣጥ ብዘይ ዝኾነ ናይ ካብ ትግራይ ወጻኢ ዝኾነ ሓይሊ ምትእትታው ንምፍታሕክሰማምዑ ኣጥቢቕና ንላቦ። ብፍላይ ምትእትታው ውልቀ ምልካዊ ስርዓት ኤርትራ ንቃልሲ ሕዝቢ ኤርትራ ዝሃስን፣ ሽግርን መከራን ህዝቢ ትግራይ ናብ ዝበኣሰ ኩነት ክኣቱ ጥራሕ ዝገብር ምዃኑ ነተሓሳስብ።

5. ጉዳይ ህዝቢ ትግራይ ንኹሎም ፖለቲካውን ማሕበራውን ኣካላት ዝምልከት ዓቢ ጉዳይ ኢዩ። ስለዚ ድማ ክሳብ ሕጂ ኣብቲ ምምሕዳር ዘይሳተፉ ዘለዉ ኣካልትውን ዘካተተ ሰፊሕ ዝመሰረቱ ሓቛፊ ምምሕዳር ምግባር ምምስራት እዋናዊ ዕማም ምዃኑ ከነዘኻኽር ንደሊ።

6. ጸጥታዊ ትካላት ትግራይ ክሳብ ሕጂ ዘርእይዎ ዘለዉ ሻራ ናይ ዘይምውሳድ መርገጽ ነመስግንን ነተባብዕን። ሕጂውን ኣብ ሞንጎ ፖለቲካውያን ኣካላት ዝርአ ዘሎ ምፍልላይ ኣብ ምፍታሕን ጸጥታዊ ርግኣት ህዝቢ ትግራይ ኣብ ምርግጋጽን ታሪኻዊ ሓላፍነቶም ብውሕለት ከሳልጡ ዝኽእሉ ምዃኖም ዘሎና እምነት ንገልጽ።

7. ኣብዚ እዋንዚ መንእሰያት ትግራይ ብብዝሒ ይስደዱ ኣለዉ። እዚ ሓደገኛ ተርእዮዚ ምስ ብዙሓት ካልኦት ነገራት ዝተኣሳሰርኳ እንተኾነ ግቡእ ቆላሕታ ክውሃቦ ዘድሊ ምዃኑ ከነተሓሳስብ ንደሊ።

ኣብ መወዳእታ ወረጃ ህዝቢ ትግራይን ፖለቲከኛታት ትግራይ ነዞም ክባና ካብ ፈተውቶም ዝቐርብ ዘሎ መግለጺ ብኣዎንታ ርእዮም ሓድሽ ናይ ምትሕብባርን መሰረታዊ ተደላይነታት ናይ ምምላስን ዕማማቶም ከሳልጡ ዘሎና እምነትን ተስፋን ክንገልጽ ንደሊ።

ዓወት ንህዝቢ ኤርትራ!
ዓውት ንህዝቢ ትግራይ!
ምሕዝነት ህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ትግራይን ይደልድል!
ፈልሲ ሰላም ዲሞክራስን ኤርትራ
04.09.2024

PDF ትግርኛ.


ቀድማይ ጉባኤና ኣብ ኣገደስቲ መድረኻዊ ጉዳያት እንታይ መርገጻት ሒዙ ወጺኡ?

ፈልሲ ሰላምን ዲሞክራስን ኤርትራ ካብ ዕለት 28.06.24 ክሳብ ዕለት 29.06.24 ቀዳማይ ጉባኤኡ ኣካይዱ።

ፈልሲ፣ ቅድሚ ከባቢ ክልተ ዓመት ኣቢሉ ካብ ዝምስረት ብግዚያዊ ዓንዲ ሕግን ግዚያዊ መሪሕነት ኢዩ ክንቀሳቀስ ጸኒሑ። ናይ ቀድማይ ጉባኤና ቀንዲ ዕማማት እምበኣር ቀዋሚ ዓንዲ ሕግን መሪሕነትን ምጽዳቕ ኢዩ ነይሩ።

ብመሰረት ወጺኡ ዝነበረ መደብ፣ ጉባኤና ብናይ ዝተፈላለያ ውዳበታትን ኣገደስቲ ውልቀሰባትን ናይ ሓጎስን ተደላይነት ብሓብር ኰንካ ምቅላስን ዝገልጽ መልእክኽታት ኢዩ ተጀሚሩ። በዚ መሰረት ዲሞክራሲያዊ ምንቅስቓስ ሓርነት ኩናማ ኤርትራ፣ ምንቅስቓስ ብሩህ መጻኢ ኤርትራ፣ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ፣ ሃገራዊ ግንባር ንድሕነት ህዝቢ ኤርትራን፣ መልእኽታቶም ኣመሓላሊፎም። ተቓላሳይ ሓውና ዶር. ዳኒኤል ህብታይውን ኣገዳሲ ናይ ቃልሲ ማዕዳን ምትብባዕን መልእኽቱ ኣስሚዑ።

እቲ ምዱብ ናይ ጉባኤ ስራሓትና ንምጅማር፣ ብቐዳምነት ጸብጻብ ዝተፈላለያ ክፍልታት ምስ ቀረበ፣ ዓንዲ ሕግን መርገጽ ጉባኤና ኣብ ኣገዳሲ ጉዳያት ቃልስና ኣጽዲቑ። ባይቶኡ ኣቚሙ ድማ ፣ ኣቦ መንበር ፈጻሚ ኣካል መሪጹ። ኣቦ መንበር ዝረቚሖም ሽዱሽተ ኣባላት ፈጻሚ ኣካል ናብ ባይቶ ቀሪቦም ተቐባልነት ምስ ረኸቡ ድማ፣ ኣፈኛን፣ ምክትል ኣፈኛን ዋና ጸሓፍን ባይቶ ተመሪጾም። ኣብ መወዳእታ ድማ ሰለስተ ዝኣባላታ ክፍሊ ኦዲት መሪጹ ጉባኤና ተዛዚሙ።

ክቡራት ተቓለስቲ ኤርትራውያን ፈተውትናን

ሓደ ካብቶም ኣገደስቲ ዛዕባታት ጉባኤና፣ መርገጽ ጉባኤና ኣብ ኣገደስቲ ጉዳያት ቃልስና ዝብል ነጥቢ ኢዩ ነይሩ። ነዞም ዝስዕቡ ጉዳያት ኣልዒሉ ድማ ተመያይጡን ኣጽዲቑን።

1. ብሰንኪቲ ውልቀ ምልካዊ ግዝኣት ህግደፍ ንኣስታት ሱሳ ዓመት ክወርዶ ዝጸንሐ ዘሰክሕ ናይ ጽንተትን ጥፍኣትን ወፈራ፣ ህዝብና ሎሚ ከም ሕብረተሰብ ናብ ክጸንተሉ ዝኽእል ሓደጋ ተገምጊሙ ኣሎ። መሰረት ናይዚ ኩሉ ድማ እቲ ኣብ ኤርትራ ብዘይ ሕጋዊ መንገዲ ዘማሓድር ዘሎ፣ ውልቀምልካዊ ግዝኣት ህግደፍ ኢዩ። እዚ ግዝኣትዝን መስሪትዎም ዘሎ ናይ ጽንተት ትካላቱን፣ ኣስፊንዎ ዘሎ ጸረ ሕብረተሰብ ባህልታቱን ካብ ሱሮም ከይተማሕዉ ድማ ህዝብና ንቡር ህይወቱ ክምልሰሉ ኣይክእልን ኢዩ። ስለዚ ኢና ድማ፣ ትማልን ሎምን፣ እዚ ግዝኣትዚ ክሳብ ዝሃለወን “ናይ ስርዓት ለውጢ! (Regime Change)” ንብል ዘሎናን፣ ብጽንዓትን ብንቕሓትን ንቃለስ ዘሎናን። እንኮ ጸላኢ ህዝብና ህግደፍ ተኺልዎ ዘሎ ግዝኣትን ኣተሓሳስባታቱን ጥራሕ ኢዮም። እዚ ግዜ ዘይህብ ዕማም ኩሉ ክጓየየሉን በብዓቕሙ ክሳተፍን እቲ እንኮ ናይዚ ግዜዚ መንገዲ ፍታሕ ኢዩ።

2. ፈልሲ ብሰለስተ ናይ ዝተሓቱ ናይ ሓባር ነጥብታት ዝቖመ፣ ውደባታትን ውልቀሰባትን ዘጠቓለለ ጥምረትዩ። እተን ነጥብታት ድማ፣ ኤርትራ ልዑላዊት ሃገር ምኹና ምእማን፣ እንኮ ጸላኢና ውልቀ ምልካዊ ግዝኣት ህግደፍ ምዃኑን ንሱን ኣተሓሳባታቱን ክመሓዉ ከም ዘለዎም ምእማን፣ ምስ ኩሎም ኣብ ምእላይ እዚ ግዝኣትዚ ጠቕሚ ዘለዎም ኣካላት ብፍላይ ድማ ምስ መንግስትን ህዝብን ትግራይ ብሓባር ኰንካ ምቅላስን ዝብላ ኢየን። ጉባኤና እዘን ነጥብታት እዚኣተን ሕጂውን ናይ መተኣኻኸቢና ነጥብታት ኮይነን ክቕጽላ ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ኣበርቲዕና ክንሰርሓለንን፣ ተቓለስቲ ከነፍርየለንን፣ ሓይልታት ክንእከበለንን ከም ዝግብኣና ደጊሙ ኣረጋጊጹ።

3. ኣብ ጉዳይ ምሕዝነትን ውህደትን ውደባታት ኤርትራ ብዝምልከት ድማ፣ ኣብዚ እዋንዚ ሓደ ካብ መሰረታዊ ተደላይነታት ስለዚ ድማ ቀዳምነት ሂብና ክንሰርሓሉ ከም ዘድልየና ወሲኑ። ንሕና ከምፈልሲ ምስቶም ብዕላማ ዝመሳሰሉናን ዝቀራረቡናን ኣካልት ኣብ ንጹር ዕላማታትን መትከላትን ዝተሰረት ውህደት ክንገብር ቅሩባት ኢና፣ ንሰርሓሉውን ኣሎና። ካብኡ ሓሊፉ ድማ ምስ ዝኾነ ኣንጻርቲ ግዝኣት ዝቃለሱ ውደባታትን ውልቀሰባትን ክሳብቲ ዝነኣሰ ናይ ሓባር ስራሕ ብሓባር ኰና ክንሰርሕ ከም ዘሎና ኢና ንኣምን። ከምኡውን ንገብር ኣሎና። ብመሰረቱ ፈልሲ፣ ብውልቀሰባትን ውደባታትን ዝቖመ፣ ኣብ ልዕሊቶም ውልቀኣባላት፣ ፈልሲ ዝተፈላለዩ ውዳበታትውን ወሲኹ ዝተመስረተን ዝሰርሕ ዘሎን ጥምረት ኢዩ።

ኣብዚ ቀዳማይ ጉባኤና ኣብ ዲሞክራሲያዊ ምንቅስቓስ ኩናማ (ዲምሓኩኤ)፣ ኣብ ርእሲቲ ብተግባር ብሓባር ክንሰርሕ ምጽናሕና፣ ሕጂ ድማ ነቲ ብዝተፈላለየ ተክኒካዊ ጉዳያት ከይተማልአ ዝጸንሐ ውክልና ኣብ መሪሕነት ፈልሲ ክዉን ንምግባር ናብ ባይቶ ፈልሲ ወካይሉ መዚዙ፣ ኣካል ናይቲ መሪሕነት ፈልሲ ኮይኑ ኣሎ።

እቶም ኣብ ጉባኤና መልእኽቶም ዘመሓላለፉ ውደባታትውን፣ ተመሳሳሊ ዕላማታት ዘለዎም ውዳቤታትውን ውህደት ምግባር ከም ዘድልየና ኢዮም ኣነጺሮም። ጉባኤና ድማ እዚ ጉዳይዚ ናይ ቀረባ እዋን ህጹጽ ዕማምና ክኸውን ከም ዘለዎ ወሲኑ ኣሎ።

4. ብዛዕባ ብሓፈሽኡ ብርጌድ ንሓመዱን ኣብ ኢትዮጲያ ዝገበሮ ኣኼባታትን ብዝምልከት ድማ ጉባኤ ከም ዝስዕብ መዚኑን ወሲኑን።

ብርጌድ ንሓመዱ ከም ህዝባዊ ማዕበል ብኣሽሕት ዝቑጸሩ ተቓወምትን ውድባትን ሲቪካዊ ማሕበራትን ካልእ ውዳበታትን ኣሳቲፉ ዝተራእየ ርሱን ናይ ቃልሲ ናህሪ ኢዩ። ፈልስን ኣባላቱን ድማ ኣብ በቦትኡ ኣብቲ ማዕበል ልሉይ ተራ ጸኒሑና ኣሎናን ኢዩ።

በዚ መሰረት ኣብ ኢትዮጲያውን ናይዚ ማዕበልዚ ኣኼባታትን ውዳበታትን ይግበር ምህላዉ ብኣዎንታ እንርእዮ ጉዳይ ኢዩ። እቲ ኣብ ኢትዮጲያ ክርአ ጀሚሩ ዘሎ ናይ ብርጌድ ንሓመዱ ስራሓት ንጸላኢና ግዝኣት ኤርትራ ኣስጊእዎ ከም ዘሎ ኩላትና ንዕዘቦ ዘሎና ጉዳይ ኢዩ። ክንቃለሰሉ ዝጸናሕና ጉዳይ ስለዝኾነ ድማ ነቲ ተረኽቦውን ንሕናውን ከም ዓወትና ኢና ንቖጽሮ።

ብዛዕባ መጻኢ ርክብን ናይ ሓባር ጉዕዞን ምስ ብርጌድ ንሓመዱ ድማ እዞም ዝስዕቡ ጉዳያት ክሳለጡ ወሰንቲ ምዃኖም ብትኹረት መዚንና።

  • ብርጌድ ንሓመዱ ዕላማታቱን ናይ ባይታ መንገዱን ከነጽር
  • በቲ ዝመረጾ ኣገባብ ትካላዊ ኣሰራሓ ኣተኣታዩ ብደረጃ ትካላት ርክባት ክገብር ክጅምር
  • ኣብ ደንቢ ተቓውሞ ዝተፈላለየ ዕላማታትን ኣገባብ ኣቀላልሳን ዘለዎም ዝተፈላለዩ ውዳበታት ኣለዉ። ኣብዚ ጉዳይዚ ብርጌድ ንሓመዱ ናይ ነዊሕን ቀረባን እውን መካይዱ ከነጽር የድልዮ

5. ምስ መንግስትን ህዝብን ትግራይ ብሓባር ኰንካ ምቅላስ ዝብል ጉዳይ ከም ናይ ኩሉ ግዜ ሕጂውን ኣማራጺ ዘይብሉ ናይ ቃልሲ መንገድና ምዃኑ እውን ኣነጺሩ ጉባኤና።

ፈልሲ፣ ውልቀ ምልካዊ ግዝኣት ኤርትራ ቀንዲ ኣካል ኮይኑ ምስ ብዙሓት ካልኦት ተሓባቢሩ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይን ንታሪኻዊ ቅርስታት ሓዊስካ ኣብ ልዕሊ ኩሎም ትካላትን ናይ ጽንተት ኲናት ከም ዘካየድ ይኣምን። ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ብሓፈሻ፣ ብፍላይ ከኣ ኣብ ልዕሊ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸራ ደቀንስትዮ ትግራይ ዘስካሕክሕ ጾታዊ ዓመጽን መጥቃዕትን ገይሩን፣ ገና ይቕጽሎ ኣሎን። እዚ ሕጂ ብዓበይቲ ዓለምለኻዊ ትካላትውን ከይተረፈ ተረጋጊጹ ዘሎ፣ ዘርኢ ተጋሩ ናይ ምጽናት ገበን ንሕና ግቡእና ስለዝኾነ ኣብ ግዚኡ ኣፍልጦ ሂብናዮን ኮኒናዮን ኢና። ነዚ ሃገርና ኤርትራ ፈጺማቶ ዘላ ገበን፣ ከም ሓደ መቃለሲ ነጥቢ ተጠቒምና ገበነኛታት ሰበስልጣን ኤርትራ ኣብ ቤት ፍርዲ ግቡእ መቕጻዕቶም ክረኽቡ ቀጻሊ ቃልሲ ክንገብር ኢና። በዚ ምኽንያት ንሕናን ህዝቢ ትግራይን ናይ ሓባር ጸላኢ ስለዘሎና ብሓባር ኰና ንናይ ሓባር ጠቕሚ ክንቃለስ ባህርያውን መድረኻዊ ጠለብን ኢዩ።

ኣብ ርእሲዚ ህዝቢ ትግራይ ኣብ መሰል ሃገረ ኤርትራ ዝኣምንን ዝተቓለሰን እንኮ ህዝቢ ኢዩ። ስለዚ ህዝቢ ኤርትራ ካብዚ ህዝቢዚ ንላዕሊ ስትራተጂካዊ መሓዛ የብሉን።

ውልቀ ምልካዊ ግዝኣት ኤርትራ ንምቅላስ ብወተሃደራዊ ስትራተጂ ዓይኒ ክርአ እንከሎውን ምስ መንግስትን ህዝብን ትግራይ ክንቃለስ ምምራጽ፣ ንመስርሕ ቃልስና ኣብዚ እዋንዚ እቲ እንኮ መንገዲ ኢዩ። ንመጻኢውን ኣብዚ መዐንደሪ ዓለምለኻውን ከባቢያውን ሃገራት ኮይኑ ዘሎ ዞባና ጸጥታና ከነውሕስን ድሕነት ህዝብና ኣረጋጊጽና መንገዲ ሰላምን ምዕባለን ክንሕዝን ምስ ህዝቢ ትግራይ ብሓባር ምስራሕ ካልእ ኣማራጺ ዘይርከቦ ምርጫ ኢዩ።

6. ምስ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጲያ ክግበር ዝከኣል ናይ ሓባር ስራሕ ብዝምልከት ድማ፣ እቲ ውልቀ መላኺ መራሒ ኤርትራ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ምስ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጲያ ዝነበሮ ናይ ኲናትን ጽንተትን ብርሰትን ዝምድና ምሕርፋፉን ኣብዚ በጺሕዎ ደርጃ ምብጽሑ ጉባኤና ብኣዎንታ መዚንዎ። ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጲያ ምስ ተቓለስቲ ኤርትራ ኣብ ኢትዮጲያ ክንቀሳቐሱ ምፍቃዱ ድማ ኣገዳሲ ስጉምቲ ምዃኑ ርኢና። ብወገንና ከም ፈልሲ ምስ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጲያ ኣብ ናይ ሕድሕድ ሃገር ልዑላውነት ምክብባርን፣ ኣብ ናይ ሓባር ጠቕሚ ዝተመሰረተን፣ ንጹር ውዕላት ዘለዎን ስምምዕ ክንገብር ቅሩባት ኢና። ምእላይ ውልቀ ምልካዊ ግዝኣት ህግደፍ፣ ንኤርትራ ጥራሕ ዘይኮነስ ንኢትዮጲያን ብሓፈሽኡ ንናይ ዞባና ሰላምን ምርግጋኣን ዕብየትን ኣድላዪ ቅድመ ኩነት ስለዝኾነ ኣብ ኤርትራ ናይ ስርዓት ለውጢ ንምምጻእ ዝዓለመ ምትሕብባር ክንገብር ቅሩባት ጥራሕ ዘይኮናስ ክዉን ክኸውን እውን ክንቃለስ ምዃና ነረጋግጽ።

7. ብዘይካዚ ምስ ካልኦት ኣብ ከባቢና ሃገራት ዝርከቡ ህዝብታትን ሃገራትን፣ ዓበይቲ ሃገራትን ዓለም ለኻዊ ማሕበራትን ተሓባቢርና ነዚ ኣብ ኤርትራ ስልጣን ሒዙ ዘሎ ናይ ህውከትን ዕግርግርን ሓይሊ ኣብ ምእላይ ይዕበ ይንኣስ ሓገዝን ምትሕብባርን ክንረክብ ክንቃለስ ኢና።

ኩሉኹም ኣባላት ፈልስን ካልኦት ተቓለስትን ህዝቢ ኤርትራን!

ጉባኤና በዚ መንገዲዚ ዕማማቱ ወዲኡ ተጠናቒቑ ኣሎ። ንጹራት ዕላማታትን፣ ንጡፍ ውደባታን ጽፉፍ መደባትን ንተዓዋትነት ቃልሲ ኣገደስቲ መበገሲታት ኢዮም። እዚኣቶም ኣብ ባይታ ለውጢ ከመዝግቡ ዝኽእሉ ግን ብንቕሓትን ልባውነትን ምትሕግጋዝን ክንቃለስ ምስ እንኽእል ጥራሕ ኢዩ።

ዝኸበርካ ህዝቢ ትግራይ!

ፈልሲ ስትራተጂካዊ መሓዛኻ ምዃኑ ነረጋግጸልካ። ነቲ እዚ ገበንዚ ዝፈጸመ ውልቀ ምልካዊ ግዝኣት ኤርትራን ሰራዊት ኤርትራን ብፍርዲ ግቡእ መቕጻዕቶም ክረኽቡ ምእንቲ ምሳኻ ብሓባር ኮይና ክንቃለስ ምዃና ከነረጋግጽ ንደሊ። ነዚ ኣብ ኤርትራ ነጊሱ ዘሎ ጨካን ግዝኣት ብናይ ሓባር ቅላጽም ክንቃለሶ ንጽውዓካ።

ንዝተረፉ ህዝብታት ኢትዮጲያን ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጲያን ድማ፣ ንናይ ሓባር ጠቕሚ ብሓባር ክንቃለስ ንጽውዓ።

ንኹሎም ዞባውን ኣህጉራውን መንግስታትን ትካላትን ድማ ፍትሓዊ ቃልስና ተረዲኤን ኣብ ጎንና ደው ክብላ ንጽውዓ።

ቀዳማይ ጉባኤ ፈሰዲኤ
29.06.2024

PDF ትግርኛ.


ብሰንኪቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ግፍዓዊ ምምሕዳር ብሓፈሽኡ ህዝቢ ኤርትራ፣ ብፍላይ ድማ መንእሰያት ኤርትራ ካብ ሃገሮም ተባሪሮም ከም ደቂ ዛግራ ዓለም ሙሉእ ፋሕ ኢሎም ይርከቡ ኣለዉ። ኣብቲ ናይ ስደት ሃገራትውን ኣብ ልዕሊቲ መስገደላት ስደት፣ እቲ ናይ ኤርትራ ስርዓት ደድሕሪኦም መጺኡ ሰላም ከሊእዎም ይርከብ። ብዘይካዚ ኣብ ልዕሊ ተቓለስቲ መንእሰያት ሕሉፍ ጨቆናን ራዕድን ሽበራን ዘሪኡ ንርእዮ ኣሎና። ከም መቐጸልታ ናይዚ፣ ኣብ ዝሓለፈ ሓሙስ ዕለት 09.05.2024፡ ኣብ ሃገረ ኢስራኤል፡ ከተማ ተልኣቪቭ ኣብ ልዕሊ ይብራህ ቀሺ ኣፈወርቂ ዝተባህለ ተቓላሳይ ሓውና ኣረመንያዊ መጥቃዕቲ ፈጺሞም ቀቲሎሞ ኣለዉ።

በዚ መሰረት ድማ ፈልሲ ሰላምን ዲሞክራስን ዝተሰምዖ መሪር ሓዘን ክገልጽ ይደሊ።

ንመዋቲ መንግስተ ሰማይ፣ ንቤተ ሰቡ ከኣ ጽንዓት ይሃብ።

ኣብ እስራኤል ዝርከቡ ይኹን፡ ካልኦት ኩላትና ኣባላት ፈልስን ደለይቲ ፍትሒን፣ ፖሊስ ኢስራኤል ነዚ ጉዳይዚ ግቡእ መርመራ ገይሩ ንገበናኛታት ኣብ ፍርዲ ከቕርብን መቕጻዕቶም ክረኽቡን ንጽውዕ። ንሕናውን እዚ ጉዳይዚ ግቡእ መዐረፊኡ ክረክብ ወዓል ሕደር ከይበልና ክንጽዕር ኢና።

እዚ ዘሕዝን ኩነትዚ መቐጸልታ ናይቲ ህዝቢ ኤርትራ መዓልታዊ ናብርኡ ኮይኑ ዘሎ መሪር ሓቂ ኢዩ። ምንጪ ናይቲ ከምዚ ዝበለናይ ወግሐ ጸብሐ መርድእ ሃለዋት፣ እቲ ኣብ ኤርትራ ዝገዝእ ዘሎ ኣረሜናዊ ስርዓት ኢዩ። እዚ ስርዓትዚ ክሳብ ዝቐጸለ ድማ ካብዚ ናይ ሞትን ወረ ሞትን ክዉንነት ክንገላገል ኣይክንክእልን ኢና።

ስለዚ ሕጂውን ንህጹጽ ለውጢ ስርዓት ንቃለስ!

ፈጻሚ ኣካል ፈልሲ ሰላም ዲሞክራስን ኤርትራ
13 ግንቦት 2024

PDF ትግርኛ.


ምቅስቓስ ንብሩህ መጻኢ ኤርትራዉያን ብዝምልከት፡ ብዝተፈላለዩ ወገናት ኣብ ዝተፈላለያ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሓን ዝመሓላለፍ ዘለዉ መልእክትን ሓሳባትን ፈልሲ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ ይከታተሎ ኣሎ።

ምንቅስቓስ ንብሩህ መጻኢ ኤርትራዉያን፡ ኣብዚ ኣንጻር ህግደፍ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ፡ ዓቢን ግሉሕን ተራ ዝጸንሖን ዘለዎን ምንቅስቓስ ኢዩ። ምንቅስቓስ ንብሩህ መጻኢ ኤርትራዉያን፡ መንእሰይ ኤርትራ ነቶም ኣቐዲሞም ቀይዶሞ ዝነበሩ ናይ ታሪኽ ማሕለኻታት ብሓይሊን ብትብዓትን ሰይሩ ንኽወጽእን ንመድረኽ ዝበቅዕ ሓዱሽ ኣረኣእያታትን ሓሳባትን ሰኒቑ ክጓዕዝ ኣብ ምግባር መሪሕ ተራ ክጻወት ጸኒሑን ኣሎን።

ምንቅስቓስ ንብሩህ መጻኢ ኤርትራዉያን፡ ኣብ መስርሕ ከጋጥምዎ ዝጸንሑ ዕንቅፋታት፡ ብትብዓትን ብብስለትን ክፈትሖምን ክሰግሮምን ጸኒሑ ኢዩ። ሕጂውን እቲ ምንቅስቓስ ንኸጋጥምዎ ዝኽእሉ ብድሆታት ከም ልማዱ ክሰግሮ ምዃኑ ፈልሲ ሰላምን ደሞክራስን ጽኑዕ እምንቶ ኣለዎ።

ፈልሲ ሰላምን ዲሞክራስን ኤርትራ፣ ምንቅስቓስ ንብሩህ መጻኢ ኤርትራዉያን፡ እሙንን መቃልስቲ ኣካልን ምዃኑ ይኣምን። ፈልሲ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ ካብ ዝምሰረት ጀሚሩ፡ ምስ ምንቅስቃስ ንብሩህ መጻኢ ኤርትራዉያን ኣብ ዝተፈላለየ ጉዳያት ክዓምዎ ዝጸንሑ ናይ ሓባር ስርሓት፡ ሕጂዉን ብዝበለጸን ብዝሓየለን ክቕጽልዎ ምዃኖም ርግጽ እዩ።

በዚ መሰረት፡ ምንቅስቓስ ንብሩህ መጻኢ ኤርትራዉያን ኣብዚ ሎሚ ቕነ ኣጓኒፍዎ ዘሎ ሒቕታ ኣብ ምፍታሕ፡ ፈልሲ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ ክገብሮ ዝኽእል ነገር እንተሎ፡ ዝከኣሎ ክገብር ቁሩብ ምዃኑ የረጋግጽ። በዚ ኣጋጣሚ ኩሎም ተቓወምቲ ሓይሊታት፡ መራኸቢ ብዙሓን ከምእዉን ኣብ ደንበ ፍትሒ ዘሎ ሕብረተሰብና ብሓፈሻ እወንታዊ ተራ ክጻወቱ ሓደራ ይብል።

ፈጻሚ ኣካል ፈልሲ ሰላም ዲሞክራስን ኤርትራ
15 ለካቲት 2024

PDF ትግርኛ.


ህዝቢ ትግራይ፡ ካብ 14-16 ጥቅምቲ 2023፡ ነቶም መንነቱን ህላዉነቱን ከጥፍኡ ዝመጹ ወረርቲ ሓይሊታት ጽንተት ኢትዮጵያን ሻዕብያን ንምምካት ዝሓለፋ ጀጋኑ ደቁ ንምዝካር፡ ኣብ ብሄራዊ ናይ ሓዘን፡ መርድእን ዝኽሪን ይርከብ። ፈልሲ ሰላምን ዲሞክራስን ኤርትራ በዚ ረዚን ታሪኻዊ ቅንያት’ዚ፡ ከም ፖለቲካው ጥምረት፡ ነቲ ኣብ ውሽጥን ኣብ ወጻኢን ዘሎ ህዝቢ ትግራይ፡ ፈጣሪ ጽንዓት ይሃብካ ንብል። ህዝቢ ትግራይ መስዋእቲ ደቁ ክቅበሎን ብሓቂ ክጸናንዕን እንተኾይኑ ግና፡ እቲ ብወርርቱ ሓይሊታት ተታሒዙ ዘሎ ግዝኣታዊ መሬት ትግራይ ምስ ተመልሰ፡ እቶም ተፈናቒሎም ዘለዉ ዜጋታቱ ናብ ኣባይቶም ተመሊሶም ምስ ተጣየሱ፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ገበን ዝፈጸሙ ፍትሒ ክረጋገጽን ከሎ እዩ።

ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይ ንምርግጋጽ፡ ነቲ ኣብ ሕዳር 2022 ኣብ ፕሪቶርያ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተኸተመ ዉዕል ሰላም፡ ብመሰረት ሕገ መንግስቲ ኢትዮጲያ ክትግበር ይግባእ። እዚ ነቲ ኣብ ሞንጎ ግዝያዊ መንግስቲ ትግራይን ኣብ ሞንጎ ፈደራል መንግስቲ ዘሎ ምትእምማን የደልድሎ፡ ኣብ ትግራይን ኢትዮጵያን ከምእዉን ኣብ ወርኒ ኣፍሪቃ ዘላቒ ሰላም ንኽሰፍን ዓቢ ኣበርክቶ ኣለዎ።

ግዝኣታዊ መሬት ትግራይ እንተ ተመሊሱ፡ እቶም ኣብ ግዜ ኲናት ተፈናቒሎም፡ ንዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ብቑሪን ጸሓይን፡ ብሕጽረት መድሃኒት፡ መግቢን ዝስተ ጹሩይ ማይን ክሳቐዩ ዘለዉ መብዛሕትኦም ቆልዑ፡ ደቀንስትዮን ሽማግለታትን ናብ ንቡር ናብራ ንኽምለሱ መንገዲ ዝጸርግ እዩ። እዚ፡ እቶም ተፈናቐልቲ ቀልጢፎም ናብ ማሕበራዊ ሕርሻዊ፡ ንግዳዊን ትምህርታዊን ካልእን መነባብረኦም ክምለሱ፡ ርእሰ ተኣማንነትን ውሕስነትን ክስምዖም ዝገብር እዩ።

እቶም ዝተፈናቐሉን፡ ህዝቢ ትግራይ ብሓፈሻ፡ ዉሕስነት ሰላም ክስምዖ እንተኾይኑ ግን፡ ገበነኛታት ኣብ ፍትሒ ዝቐርብሉ ኩነታት ክፍጠር ኣለዎ። እቶም ገበነኛታት፡ ሓደ ሚልዮን ዝኸዉን ህዝቢ ዘህለቑ፡ ክልተ ሚልዮን ዝኸዉን ህዝቢ ዘፈናቐሉ፡ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ደቀንስትዮ ትግራይ ዝዓመጹ፡ ነዞም ሎሚ ቅነ ንዝክሮም ዘሎና ዓሰርተታት ኣሽሓት ጀጋኑ ኣባላት ሓይሊታት ምክልኻል ትግራይ ንኽስዉኡ ምኽንያት ዝኾኑ፡ ኮነ ኢሎም፡ ኣብያተ እመንታት፡ ታሪኻዊ ቅርሲታት ዘቃጸሉን ዘዕነዉን፡ ሃብትን ንብረትዝዘመቱን እዮም።

ሕዝቢ ትግራይ ግን፡ በዚ ከይተንበርከኸ፡ ብጽንዓት፡ ተወፋይነትን ጅግንነትን ተቓሊሱ፡ ብክቡር መስዋእቲ ደቁ መኪቱ ንዓለም ኣዛሪቡ እዩ። በቶም በጃ ዝሓለፉ ስዉኣት ደቁ ሓሪኑ ኸኣ፡ ነቲ ዝተወረረ መሬቱን ዝተፈናቐሉን ናብ ቦትኦም ብምምላስ ዘላቒ ፍትሒን፡ ሰላምን፡ ሰናይ ምምሕዳርን ልምዓትን ከም ዘረጋግጽ ኣይንጠራጠርን። ፈልሲ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ ብወገንና፡ ኣብ ጎኒ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ተሰሊፍና እጃምና ከነበርክት ምዃና ከነረጋግጽ ንደሊ።

ጽንዓትን ዓወትን ንህዝቢ ትግራይ
ፈልሲ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ
14 ጥቅምቲ 2023

PDF ትግርኛ.


ኣብዚ ሎሚ ቅነ ኣብ ደንበ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ክልተ ዓበይቲ ታሪኻዊ ተግባራት ተፈጺሞም ቀንዮም ኣለዉ። እቲ ሓደ እቲ ኣብ ከተማማታት ኣዉሮጳ ብበርጌድ ንሓመዱ ዝተፈጸመ ክኸዉን ከሎ፡ እቲ ካልኣይ ከኣ እቲ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ብፈልሲ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ፡ ናይ ስርዓት ለውጢ ኣብ ኤርትራ” (Regime Change in Eritrea) ዝጽዉዕ፡ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ፡ ካቶሊክ ዩኒቨርሲቲ ካብ ዕለቲ 14-16 ሓምለ 2023 ዝተኻየደ ስምፖዝዮም እዩ።

እዚ ስምፖዝዮም እዚ ብሓቂ፡ ብዓይነቱን ትሕዝትኡን ፍሉይን ሃብታምን እዩ ነይሩ። ቀንዲ ዕላምኡ ከኣ፡ እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ተቷሊታርያን፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራን ህዝብታት ጎረባብትናን ብዝፈጸሞ መግለጺ ዘይብሉ ዘሰቅቕ ግፍዕን ጽንተትን፡ ኤርትራዉያንን መሓዙ ህዝቢ ኤርትራ ዝኾኑ፡ ኣብ ኤርትራ ብቕልጡፍ ናይ ስርዓት ለውጢ ከም ዘድሊ ኣብ ሓደ መደምደምታ ዝበጽሑሉ መደረኽ እዩ ነይሩ።

ኣብዚ ሱምፖዝዮም እዚ፡ ካብ ዝተፈላልያ ክፍለ ግዝኣታትን ከተማታት ኣሜሪካን ካልእን፡ ብኣካል ብዝመጹ ኣባላትን ግዱሳት ደለይቲ ፍትሒን ዝሓቖፈ፡ ከምኡውን ካብ ሙሉእ ዓለም ብማንዛ ዝተሳተፉ ፍሉይ እዩ ነይሩ። ንትሕዝትኡ ብዝምልከት ከኣ፡ መንእሰያትን ደቀንስትዮን ዝሓቖፈ፡ ጸሓፍቲ፡ ጋዜጠኛታት፡ ፖለቲከኛታትን ምሁራትን ኤርትራዉያን፡ ተጋሩን፡ ከምእዉን ካብ ዝተፈላልየያ ሃገራት ብዝመጹ መሓዙት ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ንዘመናት ዘኻዕበትዎ ዓሙቕን፡ ሰፊሕን መሃሪን ፍልጠቶምን ተመኩሮኦምን ዘካፈልሉ መድረኽ እዩ ነይሩ።

ከም ዝተኸታተልኩሞ፡ እቲ ትሕዝቶ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝተፈጸመ ህልቂት፡ ገበንን ምግሃስ ሰብኣዊ መስለን ከምእዉን ዘሕደሮ ዓሙቕ ስነ ልቦናዊ መጉዳእቲ ብደቂቕ ዝዘርዘረ፡ ከምእዉን እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ሰይጣናዊ ሽፍታ ስርዓት፡ ኣብ ልዕሊ ጎረባብቲ ህዝቢታት ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ኣብ ሱዳን፡ ጅቡቲ፡ የመንን ኢትዮጵያን ብፍላይ ከኣ ኣብ ልዕሊ ሓዉናን ኣካልናን ዝኾነ ህዝቢ ትግራይ ዝፈጸሞ ዘሰቅቕ ወራርን ህልቂትን ዝዳህሰሰ እዩ ነይሩ። እቲ ትሕዝቶ፡ ህዝብና ነቲ ኩነታት ብግቡእ ንኽርድኦ፡ ኣፍልጦ ንኽህብን ሓላፍነት ዘሰክምን ጥራይ ዘይኮነ፡ ነቲ ብድሕሪ ኢሰይያስ ኣብ ሞንጎ ህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ትግራይን ካለኦት ህዝብታትን ክንዮ እሰይያስ ከነረጋግጾ እንደሊ ሰላም፡ ምርግጋእን ምዕባለን መሰረት ዘንጽፍ እዩ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ እዚ ሱምፖዝዮም እዚ፡ ናይ ኤርትራ ተቓለስትን ደይቲ ፍትሒን ዘሳተፈ፡ ነቲ ፈልሲ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ ኣብ ሞንጎ ደንበ ፍትሒ ክህሉ ዝደልዮ ሓበራዊ መኸተን ናይ ህዝብና ሓደነት ዘንጸባርቕ እዩ። እቲ ብወገን ናይ ኤርትራ ዓፋር ሃገራዊ ካዉንስል ፕረሲደንት ኣቶ ኣሕመድ ዮሱፍ መሓመድ ዝቐረበ ትሕዝቶ ሓደ መረጋገአጺ ኣብነት እዩ ነይሩ። እዚ ከኣ ካብ ዝኾነ ይኹን እዋን ንላዕሊ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኩሉ ዓቕሚታትና ኣወሃሂድና ነቲ ጸላኢን መንሽሮን ህዝቢ ኤርትራን፡ ጎረባብትናን ዓለምን ዝኾነ ስርዓት ኢሰይያስ፡ ብቑልጡፍ ክንኣልዮ ይግባእ ንብል።

ኣብ መወዳእታ፡ ነቶም ነዚ ስምፖዝዮም ዕዉት ንኽኸዉን ዘወሃሃዱ፡ ብቁጠባን ካልእን ዘበርከትኩም ኩላትኩም ብኣካልን ብማንዛን ዝተሳተፍኩም ብዙሕ ልባዊ ምስጋና ነቕርብ።

ፈልሲ ሰላምን ዲሞክራስን ኤርትራ
16 ሓምለ 2023

PDF ትግርኛ.


ህዝቢ ኤርትራ ካብቲ ብስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊኡ ዘወርዶ ዘሎ ከቢድ ግፍዒ፡ መከራን ስደትን ጽንተትን ንምውጻእ ዘካይዶ ኩሉ መዳያዊ ከቢድን ዝተሓላለኸን ቃልሲ ኣብ መወዳእትኡ ሓርነቱ ብምርግጋጽ ከም ዝዛዘም ዝተረጋገጸ እዩ። እዚ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰንበት፡ ካብ ሙሉእ ኣዉሮጳ ብዝመጹ ኣባላት በርጌድ ንሓመዱን ካለኦት ደለይቲ ፍትሒን ኣንጻር ፈስቲቫል ህግደፍ ኣብ ጊሰን ጀርመን ዝተኻየደ ትብዓትን ዉሕልለትን ዝመልኦ ታሪኻዊ ዓለም ዘዛረበ፡ ሰለማዊ ቃልሲ፡ መጀመርታ ናይቲ ዘይተርፍ ዓወት ህዝብና እዩ። ከምዚ ዓይነት ቃልሲ፡ ኣብ ኩሉ ዓለም፡ እንኮላይ ኣብ ውሽጢ ሃገርና ክቀጻጸል ምዃኑ ዘረጋግጽ እዩ።

በዚ ኣጋጣሚ፡ ፈልሲ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ፡ በርጌድ ንሓመዱ ኣብ ኣዉሮጳን ወጻኢን ዘካይድዎ ዘለዉ ሰለማዉን ሕጋዉን ኩሉ መዳያዊ ቃልሲ፡ የሞጉስን ወግዓዊ ደገፉን ይገልጽ። ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ፡ ኩሎም ኣባላት ፈልሲ፡ ካብኦም ዘድሊ ዘበለ ብሙሉእ ዓቕሞም የበርክቱ ከም ዘለዉ ፍሉጥ ኮይኑ፡ ብማእከላይ መሪሕነት ፈልሲ ደረጃውን፡ በርጌድ ንሓመዱ ብዝደልዮን ዝጠልቦን መሰረት፡ ብምኽሪ፡ ብሞያዊ ክእለት፡ ቁጠባን ካልእን፡ ዓቕሙ ብዝፈቐዶ ንከበርክት ኣብ ጎንኹም ከም ዘሎ ከረጋግጽ ይፈቱ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ፈልሲ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ፡ ነቲ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ንምድራዕን ምልኣት ንኽእህዎን፡ ኣብ ዲፕሎማስያዉን ፖለቲካዉን ከምኡዉን ኣብ ባይታ ብዝከኣሎ ይሰርሕ ከም ዘሎ ከረጋግጸልኩም ይደሊ። ሓደ ካብኡ እቲ፡ “ናይ ስርዓት ለውጢ ኣብ ኤርትራ (Regime Change in Eritrea) ብዝብል ጭርሖ፡ ካብ 14-16 ሓምለ 2023፡ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ዘካይዶ ዘሎ ሱምፖዝዮም እዩ። እቲ ሱምፖዝዮም፡ እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ኣብ ልዕሊ ህዝብናን ኣብ ህዝቢታት ቀርኒ ኣፍሪቃን ብዝሕምሶን ብዝፍጽሞን ዘሎ ግፍዒን መከራን፡ ክእለ ጥራይ ከም ዝግባእ ንህዝቢ ዓለም ብዓዉታ ንጹር መልኽቲ ንምትሕልላፍ እዩ።

እዚን ካልእን ተወሃሂዱ፡ ብፍላይ ከኣ በቲ ኣብ ውሽጥን ኣብ ከባቢ ሃገርናን እነካይዶ ሓበራዊ ተግባራዊ ቃልሲ፡ ኣብ መወዳእትኡ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ሰይጣናዊ ስርዓት ካብ መሰረቱ ዝጸራርገሉ እዋን ርሑቕ ኣይክኸዉንን እዩ። ፈልሲ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ በዚ ኣጋጣሚ፡ ምስ በርጌድ ንሓመዱን ብተግባር ዝንቀሳቐሱ ካለኦት ፖለቲካዊ ሓይሊታትን ሃገርና፡ ኣብ ጭቡጥ ዝኾነ መደብን ዕዮ ስራሕን ንምጽማድ ድልዉ ከም ዘሎ እንዳ ገለጸ ጻዉዒቱ የቕርብ።

ዮሴፍ ገብረሂወት
ግዝያዊ ኣቦ ወንበር ፈጻሚት ሽማግለ ፈልሲ ሰላምን ዲሞክራስን ኤርትራ
10 ሓምለ 2023

PDF ትግርኛ.


ፈልሲ ሰላምን ዲሞክራስን ኤርትራ (ፈልሲ) ኣብ ሱዳን ኣጋጢሙ ብዘሎ ተጻብኦ ልባዊ ሓዘና እንዳገለጸት፣ ነባሪ መፍትሒ ንዝኾነ ፖለቲካዊ ጸገማት ኣብ ክቢ ጠረጴዛ ዝግበር ዘተ እምበር ኣፈሙዝ ከም ዘይኮነ ትኣምን። ስለዚ ድማ ኣብ ሱዳን ተጻብኦታት ቀልጢፉ ደው ክብልን ህዝቢ ሱዳን ሰላም ንክረክብን ፈልሲ ትጽውዕ። ተጻባእቲ ወገናት ተረጋጊኦም፣ ፍልልያቶም ብሰላማዊ መንገዲ፣ ንኩሉ ህዝቢ ሱዳን ብዘርብሕ፣ ከምኡውን ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሰላምን ምርግጋእን ብዘምጽእ መንገዲ ክፈትሕዎ ፈልሲ ትጽውዕ።

ህዝቢ ሱዳን ካብ 1960ታት ጀሚሩ ንህዝቢ ኤርትራን ካሎኦትን ክገብሮ ዝጸንሐን ዘሎን ሕያዉነት፣ ለውሃት፣ እንግዶት ፈልሲ ትዝክሮን ትፈልጦን እያ። ህዝቢ ሱዳን፡ ብሰንኪ ውግእን ግፍዒን ካብ ሃገሮም ንዝተሰዱ ኤርትራውያን፣ ኣብ ኣድላዪ እዋን ሓቀኛ መሓዛ ብሙዃኑ፡ ፈልሲ ስለቲ ሰናይ ተግባር ህዝቢ ሱዳን ብጣዕሚ ሕጉስቲ ምዃና ትገልጽ።

ከምዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ፡ ፈልሲ፡ ኣብታ ፍትዉቲ ሃገረ ሱዳን፡ ነዚ ኩሉ ዓመታት ንህዝብና ብዘርኣኽሞ ሓልዮት ዘለዎ ኣተሓሓዛ ተመስግን። ኣብዚ ከቢድ እዋንዉን እንተኾነ፣ ህዝብን ሰበ ስልጣንን ሱዳን፡ እቲ ዘሎ ኩነታት ከይዓንቀፈኩም፣ ብዝተኻእለኩም መጠን ንህዝብና ዘድልዮ ሓለዋ ከም ትገብርሉ ጥርጥር የብልናን።

ምርግጋእ ዝዓሰላ ሱዳን፡ ኣብቲ ተነቃፊ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ሰላም፣ ምርግጋእ፣ ዲሞክራስን ሞዕባለን ንምምጻእ ኣወንታዊ ጽልዋን ሓይልን ከም ዝህልዋ ፈልሲ ብትሪ ትኣምን። ፈልሲ ብተወሳኺ ኣብ ሓባራዊ ጉዳያት ንናይ ሓባር ረብሓ፡ ኣብ ሃናጺ ዝኾነ ስራሓት ንምትሕግጋዝ፡ ምስ ህዝብን መንግስትን ሱዳን ክትጸምድ ትደሊ።

ፈልሲ፣ ምስ እቶም በቲ ጨካን ፍጥረት ኢሰይያስ ኣፈወርቂ ብኣሉታ ዝተጸልዉ ባእታት ብምልፋን፡ ነቲ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃን ወጻኢን ምንጪ ዘይምርግጋ ኮይኑ ዘሎ ዉልቀ መላኺ ስርዓት ኢሰይያስ ኣፈወርቂ ካብ ስልጣን ንምዕላዉ ትንቀሳቐስ ናይ ኤርትራውያን ጥምረት እያ።

ፈልሲ ንህዝቢ ኤርትራ ሰላምን ዲሞክራስን፡ ኣብ ዘባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኸኣ ምርግጋእን ምዕባለን ንምምጻእ ዓሊማ ትንቀሳቐስ።

ዮሴፍ ገብረሂወት
ኣቦ ወንበር ፈጻሚት ሽማግለ ፈልሲ ሰላምን ዲሞክራስን ኤርትራ
18 ሚያዝያ 2023

PDF ትግርኛ.

Seedling for Peace and Democracy in Eritrea (Seedling) would like to express it heartfelt sadness because of the conflict within Sudan and believes lasting solution to any political problems comes through discussion in a round table, and not through guns. Seedling would therefore like to call for the immediate silencing of guns and calls for peace to the brotherly people of Sudan. Seedling calls for the parties to the current conflict to calm down and resolve their differences in a peaceful manner, in a way that benefits the people of Sudan, and in a way that brings about peace and stability to the Horn African Region

Seedling recalls the hospitality the people of Sudan have been affording the people of Eritrea, and others, from as far as the 1960 up to the present. Seedling appreciates the people of Sudan for truly being a friend in need for Eritreans who have been fleeing their country because of war and persecution. Seedling is very thankful of this generous act from the people of Sudan.

Seedling, as mentioned above, appreciates the hospitality our people have been getting in your beloved country all these years. We are sure that even at this precarious moment, the people, and authorities of Sudan, despite their present situation will continue to try to give our people the protection they need as much as they can.

Seedling strongly believes a stable Sudan would be a positive influence and force for peace, stability, democracy, and prosperity to this volatile region. Seedling also envisions to engaging in constructive cooperative work, on matters of mutual interest, with the people and government of Sudan.

Seedling is a movement of Eritreans who struggle for the removal of Dictator Isayas Afewerki from power by engaging other actors who have been negatively affected by the ruthless nature of Dictator Isayas Afewerki, who has been the main actor of instability in the Horn of Africa Region and beyond. Seedling aims at bringing about peace and democracy to the people of Eritrea, and a stable and prosperous Horn of Africa region.

Yosief Gebrehiwet
Head of the Executive Committee Seedling for Peace and Democracy in Eritrea
Apr 18, 2023

PDF English.

عن حزنه العميق بسبب الصراع الذي يجري في السودان ، ويعتقد الحزب أن الحل الدائم لأي مشاكل سياسية يأتي بالتفاوض في مائدة مستديرة، وليس من خلال البنادق، ولذلك يدعو حزب 'الشتلات' إلى إسكات البنادق على الفور ، وفي الوقت الذي يتمنى السلام للشعب السوداني الشقيق. يدعو أطراف الصراع الحالي إلى الهدوء وحل خلافاتهم بطريقة سلمية وبما يفيد شعوب السودان، وبطريقة تجلب السلام والاستقرار إلى منطقة القرن الأفريقي.

وحتى 1960 إننا إذ لا ننسى الضيافة التي قدمها شعب السودان لشعب إريتريا، وشعوب أخرى منذ العامالوقت الحاضر. يقدر حزب 'الشتلات' شعب السودان لكونه صديقًا حقًا للإريتريين الذين فروا من بلادهم بسبب الحرب والاضطهاد، وكذلك إننا ممتنون جدا لهذا العمل السخي من شعب السودان. نقدر الضيافةالتي حصل عليها شعبنا في السودان الحبيب طوال هذه السنوات

نحن على يقين من أنه حتى في هذه اللحظة غير المستقرة ، سيستمر شعب السودان وسلطاته، على الرغم من وضعهم الحالي ، في منح شعبنا الحماية التي يحتاجونها بقدر ما يستطيعون. يؤمن حزب 'الشتلات' بقوة أن السودان المستقر سيكون له تأثير إيجابي وقوي من أجل السلام والاستقرار والديمقراطية والازدهار لهذه المنطقة المتقلبة.

كما يتطلع حزب 'الشتلات' الانخراط في عمل تعاوني بناء ، فيما يتعلق بالمسائل ذات الاهتمام المشترك ، مع شعب وحكومة السودان.

حزب' الشتلات' هي حركة للإريتريين الذين يناضلون من أجل إزالة الديكتاتور إسياس أفورقي من السلطة من خلال إشراك جهات فاعلة أخرى تأثرت سلبًا بالطبيعة القاسية للديكتاتور أفورقي ، الذي كان الفاعل الرئيسي لعدم الاستقرار في منطقة القرن الأفريقي وخارجها.

يهدف حزب 'الشتلات' إلى إحلال السلام والديمقراطية لشعب إريتريا ، وجعل منطقة القرن الأفريقي مستقرة ومزدهرة.

يوسيف جبرهيويت
رئيس اللجنة التنفيذية لحزب شتلات السلام والديمقراطية في إريتريا
١٧ ابريل ٢٠٢٣م

PDF عربي.


ፈልሲ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ፡ ብመሰረት እቲ ኣብ 2 ሕዳር 2022 ኣብ ፕሪቶርያን ናኣይሮቢን ኣብ ሞንጎ ህዝባዊ ወያኒ ሓርነት ትግራይን ፈደራላዊ ሪፓብሊክ መንግስቲ ኢትዮጵያን ዝተኸተመ ናይ ሰላም ስምምዕ፡ ዛጊት ተበጺሑ ዘሎ ምዕባሌታት ንህዝቢ ትግራይን ፕረሲደንት ግዝያዊ መሰጋገሪ መንግስቲ ትግራይ ኣቶ ጌታቸዉ ረዳን ናይ እንቛዕ ሓጎሰኩም መልእኽቲ የመሓላልፍ።

በዚ ጀሚርዎ ዘሎ ከይዲ ኸኣ፡ ህዝቢ ትግራይ ድሕነቱን ህላዉነቱን ከውሕስ፡ መጻኢ ዕድሉ ባዕሉ ክውስን፡ ራህዋን ምዕባሌን ብቐጻሊ ከረጋግጽ፡ ሓድነቱ ከስጥም፡ ሰላም ፍትሒን ደሞክራስን ክሰፍን ፈልሲ፡ ተስፍኡ ይገልጽ።

ኣብ ውሽጢን ወጻኢን ዘሎ ህዝቢ ትግራይ፡ ኣብዚ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ዘርኣዮ ሓድነት፡ ናይ ቃልሲ ጥበብ፡ ጽንዓትን፡ ተወፋይነትን ንዓለም ዘዛረበ፡ ዘስተምሃረን ዝድነቕን እዩ። ከም ውጽኢቱ ኸኣ፡ ካብቲ ብኣእምሮን ብቓላትን መግለጺ ዘይተረኸቦ ዝወረዶ ከቢድ ኩናት፡ ጽንተት፡ ግፍዒን ዕንወትን፡ ከምቲ ዝተባህለ ሓመድ ልሒሱ ብዘገምታ፡ ኣብ ምትንሳእ ይርከብ።

ኣብዚ ተኣፋፊ እዋን፡ ቅድሚን ልዕል ኩሉን ጉዳይ ድሕነትን ህላዉነትን ብምስራዕ፡ ህዝቢ ትግራይ ኣካላዊን ማሕበረ ቁጠባዊ ውሕስና የድልዮ። ነዚ ክዉን ንምግባር፡ ትግራይ ዓዲ ሰላም፡ ፍትሒን ደሞክራስን ክትከዉን ናይ ፈልሲ ባህግን ድሌትን እዩ። ትግራይ ነዚ ከብቅዓ ዝኽእል እኹል፡ ታሪኻዊ፡ ልምዳዊን ባህላዊን ሰረት ኣለዋ እዩ። ነዚ ሕጂ ኣጓኒፍዋ ዘሎ ኩነታት፡ ከም ሓደ መንጠሪ ባይታ ተጠቂማ ኸኣ፡ ብሓዱሽ ሓይሊን መንፈስን ክትቅጽሎ ምዃና ዘጠራጥር የልቦን።

እቲ ሕወሓት፡ ብመሰረት ናይ ፕሪቶርያ ስምምዕ ንገለ ኣካላት ሕብረተሰብ ትግራይ ኣሳቲፋ ኣቑማቶ ዘላ ካቢነ ግዝያዊ መሰጋገሪ መንግስቲ ትግራይ ዝነኣድ እዩ። በዚ ኣጋጣሚ፡ ኣብ ዝመጽእ ወግዓዊ ምርጫ፡ ፖለቲካ ደንበ ትግራይ፡ ኣሳታፊን ሓቛፊን ከምኡውን ነጻን ፍትሓዊን ክኸዉን፡ ፕረሲደንት ግዝያዊ መሰጋገሪ መንግስቲ ትግራይ፡ ኣቶ ጌታቸዉ ረዳ ዝከኣሎ ክገብር ፈልሲ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ ይላቦ።

ፈልሲ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ፡ ካብዚ ዝሓለፈ ኣርባዕተ ዓመታት ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበረን ዘሎን ፖለቲካዉን ወተሃደራዉን ኩነታት ኣብ ግምት ብምእታዉ፡ ህዝቢ ትግራይ ካብ ዝኾነ ይኹን እዋን ንላዕሊ፡ ምስ’ቲ ፍትሒ ዝደሊ ዘበለ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብፍላይ ከኣ ምስ ፈልሲ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ፡ ዘለዎ ምሕዝነትን ሓበራዊ ቃልሲን ከደልድል ይላቦ።

ፈልሲ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ፡ ህላወ ህዝቢ ኤርትራ ምስ ጎረባብቲ ሃገራት፡ ብፍላይ ድማ ምስ ህዝቢ ትግራይ፡ ዝተተሓሓዘ ብምዃኑ ኣሚኑ፣ ኤርትራ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ናይ ሰላም፡ ፍትሒን ሓበራዊ ምዕባለን አወንታዊ ተርኣ ንኸተበርክት ንጹር መርገጺ ሒዙ ዝቃለስ ዘሎ ጥምረት እዩ።

ፈልሲ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ ደጊሙ ንህዝቢን ንፕረሲደንት ግዛያዊ መሰጋገሩ መንግስቲ ትግራይ ኣቶ ጌታቸዉ ረዳን እንቛዕ ሓጎሰኩም ይብል።

ፈልሲ ሰላምን ዲሞክራስን ኤርትራ
24 መጋቢት 2023

PDF ትግርኛ.


Dear Mr. President,

Seedling for Peace and Democracy in Eritrea (hereinafter referred to as Seedling) would like to express its utmost disappointment to the Biden administration for inviting Eritrean and Ethiopian leaders to the U.S.-African Leaders Summit from December 13 to 15 of 2022 in Washington, DC. Both leaders happen to be the cause of unimaginable horror, an ongoing genocide that has so far killed hundreds of thousands of Tigrayans, and the destabilization of the whole region.

As your administration is very much aware of, the government of the Federal Democratic Republic of Ethiopia, assisted by the government of the State of Eritrea, has put a complete siege of Tigray for two years, a siege that has caused over 600,000 Tigrayan deaths so far. Tens of thousands of Tigray women have also been raped. Tens of thousands more have been massacred. Millions more have been forcibly displaced. These are genocidal governments that use mass killings, mass rapes, starvation, denial of medicine and all kinds of services as means of warfare against the civilian population. Documents are abundant, including a statement by Secretary Antony John Blinken, confirming that these brutal governments committed a massive ethnic cleansing in Western Tigray, intentionally displacing more than a million people. And these atrocities are continuing as of this time by the forces of the aforementioned governments.

To make matters worse, though it has been a month since the Pretoria ceasefire agreement was signed, so far there is no unfettered access to basic needs. Eritrea and Amhara forces soldiers are still inside Tigray committing all kinds of genocidal atrocities despite repeated calls to leave Tigray from AU, the USA and other national and international organizations. The lives of thousands of civilians which would have been saved are perishing in vain right now.

In addition, as your administration is well aware of, the main cause of instability in the Horn of Africa is the Eritrean leader, Mr. Isaias Afewerki. In the past three decades, the people of Eritrea have been living under indescribable totalitarian terror. This regime has been committing crimes against humanity and genocide against the people of Eritrea both pre and post Eritrean "independence" in 1993, resulting in a mass exodus of almost a million people. It has waged war against all its neighbors—Yemen, Sudan, Ethiopia, Djibouti and, now, Tigray — and sponsored terrorism in all these areas by training and arming all kinds of dissident groups. Your government (and the UN) has continuously documented many of these crimes, including the recent crimes against the people of Tigray, and the destabilizing role of the Eritrean regime in the Horn of Africa and beyond. Years of inaction by the international body has brought us to this massive unimaginable death and pain in Tigray.

Mr. President, for all the reasons mentioned above, Seedling hopes you rescind your invitation to these genocidal leaders or the representatives of their respective governments. It would be a grave mistake to disregard the magnitude of the crimes committed by these leaders. Instead, the most powerful and democratic nation ought to stop the ongoing genocide in Tigray, facilitate immediate access of basic needs to the thousands who are still dying due to lack of food and life saving medicines.

After the Rwanda genocide, America vowed, “Never again!” Yet, Mr. President, this genocide has been taking place for two long years; which happen to fall exactly during the two years you have been in the White House. Hence, in years to come, no one will be able to claim ignorance. That is to say, Mr. President, this entire genocide has been taking place on your watch!

Seedling is a movement of Eritreans who struggle for the removal of Eritrean totalitarian leader, Isaias Afewerki, from power by engaging other actors, including the United States; that is, a man who has been the main actor of instability inside and outside Eritrea. Seedling aims at bringing about peace and democracy to the people of Eritrea, and a stable and prosperous Horn of Africa region.

Regards,

Yosief Ghebrehiwet
Chair of the Executive Committee
Seedling for Peace and Democracy in Eritrea

PDF English.


ፈልሲ ሰላምን ዲሞክራስን ኤርትራ፡ ነቲ ብጥምረት ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ንክልተ ዓመት ክካይድ ዝጸንሐን ዝካየድ ዘሎን ወራርን ዘስካሕክሕ ህዝባዊ ጽንተትን (ጀኖሳይድ) ብጥብቂ ይኹንን።

እቲ ብውልቀ መላኺ ኢሰይያስ ኣፈወርቅን ናይ ኣፍሪቃ ሂትለር ኣቢይ ኣሕመድን ንዝሓለፈ 3 ዓመታት ንህዝቢ ትግራይ መግቢን መድሃኒት፡ ከምኡውን ሰብኣዊ ረድኤትን ንኸያኣቱ ዓጽዮም፡ ህዝቢ ትግራይ ብጥምየትን ብሕማምን ክሃልቕን ጥራይ ዘይኮነ ብስደትን ብኩናት ክጠፍእ ሓደ ሚልዮን ዝኣክል ሰራውት ኣኽቲቶም ብምድሪን ብከበድቲ ብረትን ተወንጨፍትን፡ ብሰማይ ከኣ ብነፈትን ድሮናትን ጨፍጫፍን ኢሰብኣዊ ተግባራት ኣብ ምፍጻም ይርከቡ።

ዝኸበርካ ህዝቢ ትግራይ፡ ፈልሲ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ፍንጫሕ መሰንገልና ዝኾነ ህዝቢ ትግራይ ዝፍጸም ዘሎ ጆኖሳይድ ብትሪ ንኹንኖ። ምስ ህዝቢ ትግራይ ሓቢርና ክንምክቶ ምዃና ከኣ ንህዝቢ ትግራይ ከነረጋግጸሉ ንፈቱ።

ዝኸበርካ ህዝቢ ትግራይ፡ ፋሺስታውያን ወረርቲ ሓይልታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ደገፍቶምን፡ ከም ህዝቢ ከምበርክኹኻን ከጽንቱኻን ሺሾ ሰራውትን፡ ብብዝሒ ኣጽዋርን ድሮናትን ብጅግንነትካ መኪትካዮም ኢኻ። ሕጂ ድማ ክልቲኦም ጸላእቲ ነቲ ደማዊ ኩናት ብሕጊን ሕጋዉነትን ኣብ ናይ ሰላም መኣዲ ዘተ ኮፍ ኢሎም ንኽፈትሕዎ ኣገዲድካዮም ኢኻ።

ፈልሲ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ፡ ነቲ ኣብ ፕሪቶርያ ደቡብ ኣፍሪቃ ብ 2 ሕዳር 2022 ዝተኸተመ ተኹሲ ደው ናይ ምባል ናይ ሰላም ስምምዕ ይድግፍ። ምኽንያቱ ህዝቢ ትግራይ እቶም ወረርቲ ካብ ዘስዕብዎ ሰብእዊን ንዋታዊን ተፈጥራውን ጥፍኣትን ዕንወትን ምፍንቓልን ክትድሕንን ትንፋስ ክትረክብን የኽእለካ እዩ። እቶም ብወገን ኤርትራ፡ ኢትዮጵያን ተገዲዶም ዝሃልቁ ህዝቢታትን ዝባኽን ሃብትን ንብረትን ንምድሓን ተኽእሎ ስለዝፈጥር።

ዝኸበርካ ህዝቢ ትግራይ፡ ሰላምን ፍሪኡን ኩሉ ግዜ ጽቡቕን ጥዑምን እዩ። ይኹን እምበር ነቲ ሃገራዊ ሕጊ ብቕንዕና ዘተግብር ኣካል ምስ ዝህሉ እዩ። ታሪኽ ኢሰይያስ ኣፈወርቂን ኣቢይ ኣሕመድን ግና ነዚ ዘረጋግጽ ከምዘይኮነ፡ ንሕና ጥራይ ዘይኮና ዓለም ብዓለሙ ትፈልጦ እያ። ስለዚ ኸኣ ሕጂ እዉን፡ ህላዉነትካን ድሕንነት ህዝብኻን መራሕትኻን ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ኣብ ትሕቲ ድነ ውልቀመላኺ ስርዓት ኢሰይያስን ፋሺሽት ኣቢይ ኣሕመድን ከይወድቅ ብትኩርነት ክትርእዮን ክትሕዞን ነተሓሳስብ። ሓድነትካ ኣትሪርካ ብጽንዓትን ጅግንነትን ክትምክት ንላቦ።

ሰላምን ራህዋን ንህዝቢ ትግራይን ህዝቢታት ኢትዮጵያን
ህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብሓፈሻ

ካብ ፈጻሚት ኮሚቲ ፈልሲ ሰላምን ዲሞክራስን ኤርትራ
4 ሕዳር 2022

PDF ትግርኛ.


ዝሓለፈ ዕለተ መስቀል፣ ኣብ ልዕሊ ከተማ ዓዲ ዳዕሮ ብዝተፈጸመ ከቢድ ናይ ነፈርቲ ደብዳብ፣ ህጻናትን ዓበይቲ ሰባትን ሓዊሱ፣ ብዙሓት ሰባት ተቐዚፉን፣ ንብረት ዓንዩን ኣሎ። ብመሰረት ተለቪዥን (Tigrai TV) ትግራይ ዝሓበቶ ሓበሬታ እዚ ናይ ነፈርቲ ደብዳብዚ መንግስቲ ኤርትራ ብዝለኣኸን ናይ ጥፍኣት ነፈርቲ ኢዩ ተፈጺሙ። ንጽባሒቱውን ኣብ ከተማ ዓዲ ግራት ናይ ከበድቲ ኣጽዋር ደብዳብ ብምፍጻም ዩኒቨርሲቲ ዓዲ ግራ ዝርከቦ ዓበይቲ ዕንወታትን ህልቂት ህዝብን ፈጺሙ ኣሎ። በዚ መንገዲዚ ነቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዘርኢ ናይ ምጽናት ወፈርኡ ናብ ዝኸፍአን ዝለዓለን ጥርዚ ኣሰጋጊርዎ ይርከብ።

ንሕና ኣባላት ፈልሲ ሰላምን ዲሞክራስን ኤርትራ ዞባ ኤውሮጳ በዚ ናይ መንግስቲ ኤርትራ ጸረ ህዝቢ ወፈራታት ኣጥቢቑ ይኹንን። ምስ ህዝቢ ትግራይ ተመሓዝዩ ዕምሪ ጸላኢና ንምሕጻር ኩሉ ዝከኣሎ ዘበለ ክገብር ከም ዝኾነ ድማ የረጋግጽ። ንህዝቢ ትግራይ ድማ ኣብዚ ናይ ፈተና ግዚኡ ኣብ ጎኑ ከም ዝኾናን፣ ሓዘኑ ሓዘንና ምዃኑ ክንገልጸሉ ንደሊ። ልዑል ፈጣሪ ጽንዓት ክህቦ ድማ ጸሎትና ነዕርግ።

ናይ ዓዲ ዳዕሮን ዓዲ ግራትን ኣረሜናዊ ጨፍጫፍ መቐጸልታ ናይቲ ልፍንቲ መንግስቲ ኤርትራን መንግስቲ ኢትዮጲያን፣ ህዝቢ ትግራይ ናይ ምጽናት ሰይጣናዊ መደብን፣ ጥሙር ናይ ጦር ሰራዊት ኢትዮጲያን ወተሃደራት ኤርትራን ትግራይ ናይ ምዕናው ወፍርን ኢዩ። ኣብዚ ተደጋጋሚ ወራራትዚ፣ ብኣማናኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ብግፍዒ ተቐቲሎምን፣ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸራ ንጹሃት ደቂ ትግራይ ተዓሚጸንን፣ ብሚሊዮናት ዝቑጸር ተጋሩ ካብ ገዛእ ሃገሮም ተፈናቒሎምን ኣለዉ። ብሓጺሩትግራይ ከም ትግራይ ክትዓኑ ኢዩ ተፈቲኑ። መንግስትን ሰራዊትን ኤርትራ ድማ ኣብዚ ኩሉ ገበናትዚ ብዝፈጸንዎ ተግባራት ተሓተቲ ኢዮም። እቶም ገበነኛታት ድማ ኩሉ ዓይነት ስጉምቲ ተወሲዱ ኣብ ፍርዲ ክቐርቡን ግቡእ መቕጻዕቶም ክቕበሉን ኣለዎም። ፈልሲ ሰላምን ዲሞክራስን ኤርትራ ዞባ ኤውሮጳ፣ ገበነኛታት ንምሓዝን ኣብ ፍርዲ ቀሪቦም መቕጻዕቶም ንኽወስዱን ዝግበር ኩሉ ዓይነት ስጉምታት ይድግፍን፣ ናቱ ተራ ይጻወት ኣሎን።

እዚ ድሕሪ ምምጻእ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ኢትዮጲያ ዝጀመረ ዘይቅዱስ ልፍንቲ ምስ ፕረሲደንት ኤርትራ ኢሰያስ ኣፈወርቂ፣ ነቲ ደላይ ፍትሕን ሰላምን ነጻነትን ዝኾነን ፍንጫሕ መሰንገለናን ህዝቢ ትግራይ ንምጽናት ካብ ዝነኣሰ ክሳብ ዝዓበየ ዘመናዊ ናይ ጥፍኣት ኣጽዋራት ተሓንጊጦምን፣ ንኣሽቱን ዓበይትን ዘራያት ሃገራት ኣኽቲሎምን፣ ንትግራይ ብ360 ዲግሪ ከቢቦም ከጽንትዎ ተደጋጋሚ ወራራትን ጭፍጨፋን ኣካይዶምን የካይዱ ኣለዉን።

ህዝቢ ትግራይ ግን ከምቲ ኣብ ሙሉእ ታሪኹ ደጋጊሙ ዘመስከሮ «እምቢ ኣይውረርን!፣ መሰለይ ኣሕሊፈ ኣይህብን!» ኢሉ ቆፍኡ ከም ዝተተንከፈ ንህቢ ብሓደ ዕላማን ልብን ሰሚሩ ብምቅላስ ነቲ ናይ ጥፍኣት ድግስ መሰስ ኢሉ ወጺእዎስ፣ ሕጂ ገበርቲ እከይ ግቡእ ፍርዶም ክረኽቡሉ ዘኽእል ደረት ትርኢት ክርአ ጀሚሩ ኣሎ። ኣብዚ ድሕሪ ናይ ገለ ኣዋርሕ ምቅርራብ ዝከፈትዎ ሓድሽ ወራር፣ ድማ ጦር ሰራዊት ኢትዮጲያን፣ ኣራዊት ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ኩሉ ናይ ኲናት ግንባራት ከቢድ ስዕረት ኣጋጢምዎስ ብዓሰርተት ኣሽሓት ደም ከልቢ ኮይኖም ይሃልቁን፣ ይስንክሉን፣ ይማረኹን ኢዶም ይህቡን ኣለዉ። «ንትግራይ ዝኣቱ እምበር ካብ ትግራይ ዝወጽእ ወራሪ ኣይህሉን!» ዝብል ትንቢታዊ ቃል ፕረሲደንት መንግስቲ ትግራይ ዶክተር ደብርጺዮን ተግባራዊ ክውን ኣብ ዓይንና ንርእዮ ኣሎና። እዚ ህዝቢዝስ እንቋዕ ወገንና ኮነ!

ንዓና ንደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ብሓፈሻ፣ ንኣባላት ፈልሲ ሰላምን ዲሞክራስን ኤርትራ ድማ ብፍላይ፣ ህዝቢ ትግራይ ዓቢ ኣብነት ኮይኑ ኣሎ። ነታ ዳርጋ ክትጠፍእ ጨለምለም ትብል ዝነበረት ተስፋና መሊሳ በርቲዓ ክትበርህን፣ ሓሪንና ክንቃለስ ክንበራታዕን ገይሩና ኣሎ። ሕጂውን እዚ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ብዓወት ህዝቢ ትግራይ ሰራዊት ምኽልኻል ትግራይን ክዛዘም ከም ዝኾነ ምንም ኣይንጠራጠርን ኢና።

ኢሰያስ ኣፈወርቂ ክሳብ ዝሃለወ ህዝቢ ኤርትራ ንቡር ህይወቱ ክመልስ ይኹን ፣ ሃገርናን ዞባና ሰላምን ምርግጋእን ክረክብ ስለዘይክእል መንግስቲ ኤርትራ ካብ ስልጣን ክእለ ኣለዎ። ሰልፊ ሰላምን ዲሞክራስን ኤርትራ ምስ ህዝቢ ትግራይን ሰራዊቱን ተመሓዝዩ ነዚ ስርዓትዚ ንምእላይ ክሳብ መወዳእታ ክቃለስ ምዃኑ ሕጂውን ከነረጋግጽ ንደሊ።

እቶም ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ኮይኖም፣ ደለይቲ ፍትሒ ክመስሉ ዝጸንሑ እሞ ፣ ድሕሪ ወራር ትግራይ «ምስ ሰራዊትና ደው ንብል!» ዝብሉ ዘለዉ ኣካላት ድማ ብተግባር ተሓባበርቲ ናይ መንግስቲ ኤርትራ ኮይኖም ከም ዘለዉ ክፈልጡን፣ ጽባሕ ኣብ እዋን «ተሓሳሰብ!» ምስ ተበጽሐ ግቡእ ሚዛኖም ክረኽቡ ከም ዝኾኑን ክንሕብሮምን ንደሊ። ብስቓይን ሞትን ህዝቢ ትግራይ ምልጋጽ፣ ውጺኢቱ እዚ ዝሓለፈ መዓልታት ኣብ ዓዲ ዳዕሮን ዓዲ ግራትን ዝረኣናዮ ኣረመናዊ ጨፍጫፍ ክሳብ ሕጂ ዝቕጽል ዘሎ ኲናትን ኢዩ።

ደጊምና ሓዘና ንገልጽ!

ህዝቢ ትግራይ ብርግጽ ክዕወት ኢዩ!!
ፈልሲ ሰላምን ዲሞክራስን ኤርትራ ዞባ ኤውሮጳ
ዕለት 30.09.2022

PDF ትግርኛ.


ፈልሲ ሰላምን ዲሞክራስን ኤርትራ፡ ነቲ ብሓይልታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ዳግማይ ወራር ብጥብቂ ይኹንን።

ድሕሪ ናይ 9 ኣዋርሕ ኣብ ፍጹም ከበባ: ንህዝቢ ትግራይ ብጥምየትን ብሕማምን ከምበርክኽዎ ስለዘይከኣሉ፡ እቲ ዝጀመርዎ ህዝባዊ ህልቂት (ጀኖሳይድ) ንምቅልጣፍ፡ ብኣማኢታት ኣሽሓት ወተሃደራት ዝተሰነየ ቅሉዕ ወራር የካይዱ ኣለዉ። ከም ኤርትራውያን መጠን ከኣ፡ ብፍላይ በቲ ዘሕፍር ዝኾነ ስርዓት ኢሳያስ ዝግበር ዘሎ ቁሉዕ ወራር (ብኹሉ ሸነኻት - ካብ ሩባ ተከዘ ክሳብ ዳሉል)፡ ንህዝብታት ኤርትራን ትግራይን ኣብ ወለዶታት ክወጽእ ዘይክእል ጽልኢ ንምትካል ዝዓለመ ስለዝኾነ፡ ብኹሉ ዓቕምታትና ክንቃለሶ ምዃና ነፍልጥ።

ዉልቀመለኽቲ ኣብይን ኢሳያስን ነዚ ወራር ከካይድዎ ዝደፈሩ፡ ሕብረተሰብ ዓለም ነቲ ዝሓለፈ ግፍዒ ብስቕታ ወይ ብሸለልትነት ወይ’ውን ብኣድልዎ ስለዝርኣዮ እዩ። ንሕና ኣባላት ፈልሲ፡ ነዚ ኢሰብኣዊ ዝኾነ ስቕታ ኣይንጽምበሮን ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ብትሪ ንኹንኖ። ካብኡ ሓሊፍና’ውን፡ ብዝክኣለና ተግባራት ምስ ህዝቢ ትግራይ ሓቢርና ክንቃለሶ ምዃና: ንኹሎም ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ንኽትሓባበሩና ጻዊዕትና ነቕርብ።

ዝኸበርካ ህዝቢ ትግራይ፡

ነዚ: በዞም ፋሺስታውያን ወረርቲ ሓይልታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝወርደካ ዝነበረን ዘሎን ዓሌት ናይ ምጥፋእ ወራር መኪትካ ከም እትዕወት ምንም ጥርጥር የብልናን። ኣኳ ድኣ፡ በቲ እትገብሮ ዘለኻ ዘይሕለል ምርብራብ፡ ብምግራምን ኣድናቖትን ኢና እንዕዘበካ ዘለና። ኣብ መጨረሽትኡ፡ ካብ’ዚ መዓት እዚ ብዓወት መሰስ ኢልካ ከምእትወጽእ ርግጸኛታት ኢና።

ኦ ህዝቢ ትግራይ፡

እቶም ኣብ ፈልሲ ተኣኻኺብና እንርከብ ደለይቲ ጥምረት ኤርትራውያን እዚ ኽንብል ንደሊ፡

    ➢ እቲ ስቓይኩም፡ ስቓይና
    ➢ እቲ ሓዘንንኩም፡ ሓዘንና
    ➢ እቲ ቃልስኹም፡ ቃልስና
    ➢ እቲ ኲናትኩም፡ ኲናትና
    ➢ እቲ ዓወትኩም፡ ዓወትና

ብሓጺሩ፡ ኣብዚ እዋን ብድሆኹም፡

    ➢ ንሕና፡ ንስኹም
    ➢ ንስኹም፡ ንሕና

ከምዝኾና ኸነረጋግጸልኩም ንፈቱ።

ትግራይ ትስዕር!

ፈጻሚት ኮሚቲ ፈልሲ ሰላምን ዲሞክራስን ኤርትራ

PDF ትግርኛ.

Seedling for Peace and Democracy in Eritrea condemns, in the strictest sense, the second round of invasion of the people of Tigray by Ethiopian and Eritrean forces.

The invading forces of Eritrea and Ethiopia are engaged in this open invasion, by lining up hundreds of thousands of soldiers and artilleries, both ground and air, including drones, in order to speed up their genocidal acts; and they are doing this because they have failed to make the people of Tigray kneel down by the 9 months of absolute siege and encirclement meant to finish them off through famine and disease.

As Eritreans, we would like to confirm that we will fight in all ways we can against these invaders, as we understand that the main aim of this open invasion (that stretches from the Tekeze river all the way to Dallol in Afar) by the despot regime of Isaias Afewerki is to plant a seed of hatred and enmity between the peoples of Eritrea and Tigray now, and for generations to come.

Seedling for Peace and Democracy in Eritrea believes the reason why Dictators Isaias Afewerki of Eritrea and Abiy Ahmed of Ethiopia dared to start this second invasion is because of the silence, bias and ignorance of the international community to the past invasion and genocide against the people of Tigray. Not only are we, members of Seedling for Peace and Democracy in Eritrea, refuse to be part of this inhuman silence, we also condemn it in the strongest terms possible.

Further, we will fight against the invasion and invaders in all ways we can, hand in hand with the people of Tigray, and we call upon other Eritrean justice seekers to join us in this humane fight.

To the people of Tigray,

We have no single doubt that you will defeat these fascist invading forces of Eritrea and Ethiopia, and prevail in the fight for your very existence. In fact, we are at awe and admiration; watching your relentless struggle against these inhuman forces. Finally, we are confident that you will come victorious from this calamity.

As a final note,

We, Eritreans who are in Seedling for Peace and Democracy in Eritrea, would like to state the following to the patriotic people of Tigray:

    ➢ Your suffering is our suffering
    ➢ Your sadness is our sadness
    ➢ Your struggle is our struggle
    ➢ Your war is our war
    ➢ You victory is our victory

In short, we would like to confirm to you, that at this challenging time,

➢ We are you, and
➢ You are us

Tigray Prevails!

Seedling for Peace and Democracy in Eritrea

PDF English.


ፈልሲ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ ነቲ ዉልቀ መላኺ ኢሰይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ንዝሓለፈ 30 ዓመታት ብዕላማ ክፍጽሞ ዝጸንሐ ጽንተት ብምቕጻል ምስ ኣቢይ ኣሕመድ ተላፊኑ ንህዝቢ ትግራይ ኣብ ክባን ዕጽዋን ኣእትዩ ብጥምየት: ደብዳብ ሰብኣልቦ ነፈርትን ኩናትን ብሓፈሻ ዝፍጽሞ ዘሎ ዘርኢ ምጥፋእ ብትሪ ይኹንን።

ውልቀመላኺ ስርዓት ኢሰይያስ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ዘውርዶ ዘሎ መግለጺ ዘይብሉ ጭቆና: ኣብ ህዝቢ ትግራይ ዝፈጸሞ ወራርን ዘስካሕክሕ ኢሰብኣዊ ተግባራትን ንኽቕጽሎ ኤርትራ ዓባይ ወተሃደራዊ መዓስከር ኢትዮጵያ ቀይርዋ ከምዘሎ ናይ ኣደባባይ ምስጢር እዩ። ስርዓት ኢሰይያስ ኣብ ኤርትራ ከሰልጥኖም ዝጸንሐ ኢትዮጵያዉያን ከይኣኽሎ: ሎሚ ቅነ’ውን ኣብ ምዕራብ ትግራይ ዓሪዶም ዝነበሩ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰራዊት ኢትዮጵያ ናብ ኤርትራ ኣስጊሩ: ንህዝቢ ትግራይ ዳግም ንምውራር ምድላዋቱ ወዲኡ ኣሎ። ፈልሲ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ ውልቀመላኺ ሰርዓት ኢሰይያስ ኣፈወርቂን ኣቢይ ኣሕመድን ካብ ኤርትራ ናብ ህዝቢ ትግራይ ኣንፈት ዝግበር ወራርን ተጻብኦታትን ኣጥቢቑ ይኹንን። ኣብ ኤርትራን ትግራይን ንዝወርድ ሰባዊ ህልቂትን ንዋታዊ ዕንወትን ውልቀመላኺ ስርዓት ኢሰይያስን መላፍንቱ ስርዓት ኣቢይን ተሓተቲ ምኻኖም የተሓሳስብ።

ህዝቢ ትግራይ: ነቲ ብ 24 ነሓሰ 2022 ብስርዓት ኣቢይ ኣሕመድ ዳግም ኣብ ልዕሊኡ ዝኸፈቶ ሰፊሕ ኩናት ኣፍሺሉ ኣብ ጎደና ዘይተርፍ ዓወት ይምርሽ ብምህላዉ ፈልሲ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ ይሙጉስ። ብዓወት ክትፍጽሞ ከኣ ዘለዎ ተስፋ ይገልጽ።

ህዝቢ ትግራይ ምእንቲ ህላዉነቱን ብሄራዊ ክብሩን ክብል: ነዞም ክልተ ጸላእቱ ብሓይሉን ጅግንነቱን ስዒሩ ካብ’ዚ ዘለዎ ክባን ዕጽዋን: ኩናትን ጽንተትን መሊኡ ክወጽእን: መሰል ርእሰ ዉሳነ ትግራይ ከረጋግጽን ኣብ ዘካይዶ ዘሎ ህዝባዊ ቃልሲ: ፈልሲ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ ወትሩ ኣብ ጎኒ ህዝቢ ትግራይ ከምዘሎ የረጋግጽ።

ፈልሲ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ: ኣብ’ዚ ተኣፋፊን ህጹጽን እዋን: ኣብ ኤርትራ ንዘሎ ህዝቢን ሰራዊትን ኤርትራ: ኩሉ ዘለዎ ዕጥቃዊ ኣጽዋር: ዓቕሚን ክእለትን ኣንጻር እቲ ዘጽንቶ ዘሎ ስርዓት ከውዕሎ ጻውዒት የቕርብ። ኣብ ወጻኢ ንዘለዉ ተቓወምቲ ፖለቲካዊ ሓይሊታት ብፍላይ ከኣ መንእሰያት: ነቲ ኣብ ኣዉሮጳን ኣሜሪካን ተጀሚሩ ዘሎ ምልዕዓላት ብሓይሊ ክቕጽሎን ነቲ ንህዝቢ ኤርትራን ትግራይን ዘጽንት ዘሎ: ንህዝቢታት ቀርኒ ኣፍሪቃ ከኣ ዝህውኽን ዝሕምስን ዘሎ ውልቀ መላኺ ኢሰይያስን ጉጅልኡን ንምእላይ ሓድነቱን ቃልሱን ከሐይል ይላቦ።

ፈልሲ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ: ህዝቢን ሃገርን ንምድሓን ኣብ ዝግበር ቃልሲ ምስ ኩሎም ኣካላት ህዝቢ ኤርትራን ከምኡ’ውን ጎረባብቲ ህዝቢታት ትግራይ: ኢትዮጵያ: ሱዳንን ካለኦትን ክተሓጋገዝ ድሉዉ ምኻኑ የረጋግጽ።

ፈልሲ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ

PDF ትግርኛ.


ስርዓት ህግደፍ ነቲ ኣብ ውሽጢ ሃገርና ኣብ ናይ ባርነት ኣርዑት ቆሪናዎ ዘሎ ህዝብና ከይኣኽሎ: ነዚ ኣብ ስደት ዘሎ ከይተረፈ: ብስም ሃገራዊ ፈስቲቫል ዕሱባት ካድረታት ልኢኹ: ብኩምራ ሓሶትን ጽልእን ዝተላዕጠጠ መርዛም ናይ ፕሮፓጋንዳ ቃላት ክነዝሕ ይውዕል ኣሎ። ህዝቢ ኤርትራ ግና ብኣንጻሩ ብሕራነ ንስርዓት ህግደፍ ንምእላይ: ቃልሱ ኣሐይልዎን ናብ ዝለዓለ ብርኪ ኣሰጋጊርዎን ይርከብ። እቲ ሎሚ ቅነ ብመንእሰያት ዝተማእከለ ኣብ ኣዉሮጳን ኣሜሪካን ዝካየድ ዘሎ ትብዓትን: ጥበብን ዝመልኦ ዕዉት ውዳበን ሰለማዊ ሰልፊታትን ህያዉ ኣብነታት እዮም።

በዚ ምኽንያት: ስርዓት ህግደፍ ብዙሕ ቁጠባዊን: ሰብኣዊ ሃልኪን ዘፍሰሰሉ ፈስቲቫል: ዘይሓሰቦ ሞራላዊ ውድቀት: ፖለቲካዊ ፍሽለትን ቁጠባዊ ክሳራን ወሪድዎ ኣብ ደንበርበር ይርከብ። ስርዓት ህግደፍ ተኣልዩ ህዝብና ሓራ ክሳብ ዝወጽእ: ከም’ዚ ዝኣመሰለ ህዝባዊ ተቓዉሞ ክቀጻጸል ይግባእ።

ፈልሲ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ: ህዝቢን ሃገርን ንምድሓን: ሕጊን ኩነታትን ናይ’ተን ሃገራት ብዝፈቕዶ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ እንዳ ሞጎሰ: ከም ኣድላይነቱ ብቑጠባ: ብሞያዊ ክእለት: ሞራልን ካልእን ክተሓጋገዝ ቁሩብ ምዃኑ ከረጋግጽ ይፈቱ።

ፈልሲ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ

PDF ትግርኛ.


ክቡራት ደለይቲ ፍትሕን ደሞክራስን ኤረትራውያን፡

1. ብልኡላውነት ኤረትራ ትኣምኑ ‘ዶ?

2. እቲ እንኮ ጸላኢ ኤረትራውያን ኢሰያስ ኣፈወርቅን ናይ ቀረባ ደገፍቱን ምዃኖም ትኣምኑ ‘ዶ?

3. ኩላትና ደለይቲ ፍትሕን ደሞክራስን ምስ እንሓብር ብተወሳኺ ምስ ኩለን ጎረባብቲ ሃገራት፡ ብፍላይ ድማ ምስ ትግራይ ተወሃሂድና ምስ እንሰርሕ መሰረታዊ ለውጢ ክመጽእ ከም ዝከኣል ትኣምን ‘ዶ?

እምበኣርከስ ነዘን ስለስተ ዓበይቲ ሕቶ እወ እንተኾይኑ መልስኹም፡ ሃየ ሓላፍነትኩም ኣበርክቶኹም ክትገብር ብትሕትና ንዕድመኩም።

ዕላማ ፈልስን ሰላምን ደሞክራስን ኣብ ኤረትራ (SPDE) ካብ ውልቀሰብ ጀሚርካ ንኹሎም በርጌሳውያን ማሕበራትን ፖለቲካዊ ሓይሊታት ኣወሃሂድካ እቲ ዝድለ ለውጢ ንምምጻእን ንህዝቢ ኤረትራ ምድሓንን እዩ።

ኩነታት ህዝብናን ሃገርና ካብ ዝኸፍአ ናብ ኣዚዩ ኣሻቓሊ ኣንቆልቂሉ ከም ዘሎ ንኹላትና ርዱእ እዩ። ኽሳዕ ሕጂ ክግበር ዝጸንሐ ኣበርክቶ ብኹለን ውድባትን ህዝባዊ ምንቅስቓስን ዝነኣድ እዩ፡ እንተኾነ ግና እዚ ዘለናዮ መድረኽ ኣዚዩ ተኣፋፊ ስለ ዝኾነ፡ ፍሉይ ኣተሓሳስባን ውደባን ስለ ዝጠልብ፡ ስለዚ ኩላትና ብሕብረት ከም ሓደ ጋንታ ጉድለትና ተመላሊእና፡ ጸላኢና ኣለሊና፡ ሽቶና ኣነጺርና፡ ፍልልይና ኣጽቢብና እዛ ወርቃዊት እዋን ክንጥቀመላ ልዕሊ ኹሉ ኣገዳሲ እዩ። ከም እኹላት ሰባት ናይ ሕሉፍ ረሲዕና፡ ብሓድሽ መንፈስ ብሉጽ ኣመለኻኽታ ወኒንና ብሕብረት እንተተቓሊስና፡ ጸልማት ናብ ብርሃን: ውርደት ናብ ክብረት: ስዕረት ናብ ዓወት ከም ዝልወጥ ጥርጥር የብልናን።

እምበኣርከስ እዚ ቓልሲ ብዝበለጸን ብዝሓየለን ኣድማዒ ለውጢ ንምርካብ ንነፍሲወከፍ ውልቀሰብ: በርጌሳውያን ማሕበራት: ህዝባዊ ምንቅስቓሳት: ውድባትን ግንባራትን ተወሃሂድና ንምስራሕ ሓላፍነትናን ግዴታናን ንምብርካት ብትሕትና ንዕድመኩም። ነፍሲወከፍ ግዱስ ኤረትራዊ ንወርሒ $10.00 ወርሓዊ ክፍሊት ወይ $120.00 ዓመታዊ እንዳኸፈለ ክምዝገብ ነትሓሳስብ። ብተወሳኺ ብሓሳብ ኮነ ብሞያዊ ክእለት ክበርክት ዝደሊ ኩሉ ዜጋ በዚ ዝስዕብ ኢመይል ጽሒፉ ወይ ብቴሌፎን ደዊሉ ክረኽበና ብትሕትና ነተሓሳስብ።

ሰላም ብሓበራ

ፈልሲ ሰላምን ደሞክራስን ኣብ ኤረትራ
E: felsiselam@gmail.com
P: (713) 364-9464
ምሳና ሕበሩ! https://felsiselam.org/join.html

Do you firmly believe in the sacrosanctity of Eritrea’s sovereignty?

Do you agree that the only enemy of all Eritreans and their dreams to democratic and prosperous nation is Isaias Afwerki and supporters of his dictatorial regime?

Do you find it convincing that, reading the geopolitics of the region and its dynamics, we need to make alliance with all neighboring forces and especially Tigrayan forces to bring about a meaningful change in Eritrea?

If your answer to all questions above is yes, Seedling of Peace and Democracy Eritrea, with utmost sense of duty, calls upon you to please join us and make your contribution to and leave your indelible marks on the change you wish to bring about in your beloved Eritrea. SPDE firmly believes that more than any time before victory is within reach, if only we seize the moment and work together. The goal of SPDE is to bring all Eritrean civic and political forces of different orientations together to a minimum consensus of removing dictatorship and installing democracy in the country.

While appreciating all the efforts and good fight each and every civic and political organization has exerted and conducted so far, SPDE would kindly ask you to make note of the current small window of opportunity that has been created out of the dynamism of the last 2 years and conflict in the region to effect change in Eritrea.

So please join us and become a member by contributing $ 10.00/month or a one payment $ 120.00/year. If you feel that you can contribute in your area of profession or any idea that can move the struggle forward, please reach at the email or phone number listed below.

Seedling for Peace and Democracy in Eritrea (SPDE)
E: felsiselam@gmail.com
P: (713) 364-9464
Join us! https://felsiselam.org/join.html


ህዝቢ ኤርትራ ምእንቲ ናጽነት ክብል ኣብ ኣፍሪቃ ዝነዉሐን ዝመረረን ዝተባህለሉ ናይ 30 ዓመት ብረታዊን ፖለቲካዊን ቃልሲ ኣካይዱ እዩ። ብዓሰርተታት ኣሻሓት ዝኾኑ ደቁ ንመስዋእቲ ከፊሉ: ንብረቱን ሃብቱን ከሲሩ: ኣብ መወዳእታ ከኣ: ብዓብላሊ ድምጺ ረፈረንደም ኣብ ዓለም ከም ህዝቢን ሃገርን ንኽንፍለጥ በቒዑ እዩ። ይኹን’ምበር ስርዓት ኢሰይያስ ናይ ህዝብና ሕልሚን ራኢን ጨውዩ: ምስ ኩሎም ጎረባብትና ብፍላይ ከኣ ምስ ህዝቢ ትግራይ ንኻልኣይ ግዚኡ ከቢድ ኩናት ኣጉዱ ህዝብናን ህዝቢ ትግራይን ኣደዳ ሞት: ስደትን መከራን ጽንተትን ገይርዎ ይርከብ። እዚ ከይኣክል: ውልቀ መላኺ ኢሰይያስ: ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያን ካለኦቶን ብምሽራኽ ንኤርትራ ሃገርና ገበጣ መጻንሒ ስልጣኑ ይጥቀመላ ኣሎ።

ውልቀ መላኺ ስርዓት ኢሰይያስ ኣፈወርቂ: ንኤርትራ ዝምልከት ዞባዊ: ኣህጉራዊን ዓለምለኻዊን ዝገብሮ ዝኾነ ይኹን ውዕላትን ስምምዓትን ብፈልሲ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ ፈጺሙ ተቐባልነት የብሉን። ምኽናያቱ ኣቲ ጉጅለ: ብህዝብና ቆጽሊ ኣውሊዕ ዝተነብረሉ ስርዓት ኣይኮነን። እቲ ስርዓት ብሓይሊ ኣብ ኮረሻ ስልጣን ካብ ዝቕመጥ ጀሚሩ: ኣብ ኤርትራ ባዕሉ ሓጋጊ: ፈራዲን ፈጻሚን ኣካል ኮይኑ ንህዝብና ዝሓርድ: ዝቐትልን ዘጥፍእን ዘለ ጨቃኒ ስርዓት እዩ።

በዚ ዕለት ኣጋጣሚ: ፈልሲ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ: መራሕቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንህዝቢን ሃገርን ኤርትራ ዝግህስ ብዛዕባ ባሕሪን ወደብ ከተማ ዓሰብን ዝምልከት ዘውጽእዎ ዘለዉ መግለጺታትን ዝወስድዎ ስጉምቲታትን ብጥብቂ ይኹንን።

ፈልሲ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ: ህዝብና ናይ ብሓቂ ናጽነት: ሰላምን ምዕባለን ከስተማቕር ዞባና ክረጋግእ ስርዓት ኢሰይያስ ንምእላይ ቃልሱ ከሐይል ምኻኑ ንህዝቢ ኤርትራን ፈተዉትን ከረጋግጽ ይፈቱ። ኩሉ ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ተፈጢሩ ዘሎ ጥምረት ክዓስሎ: ጎረባብቲ ሃገራትን ፈተዉትን ከኣ ክተሓጋገዝዎ ጽውዒቱ የቕርብ።

ፈልሲ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ

PDF ትግርኛ.

The Eritrean people have unique experience in Africa due to the fact that they had to wage the longest war of independence. After enduring a 30 years-long war of attrition that costed them tens of thousands of lives, countless property and environmental destructions, they were able to achieve their independence first by defeating the Ethiopian occupation forces and then through a UN observed referendum.

In a stunning reversal of his promises, thereby, dashing the hopes of millions of Eritreans for a free, prosperous and democratic Eritrea, the man who led the armed struggle for independence and later became privileged enough to become its first President - Isaias Afwerki - became a ruthless dictator. Ever since, he has fought with each and all neighboring countries once and twice with Tigray. This has resulted in staggering number of deaths, distraction, displacement and immigration both to the people of Eritrea and the region. By partnering with bad actors and similar dictatorial regimes like the current Ethiopian government, he has continued to make pacts on behalf of Eritrea to continue his genocidal shenanigans in Tigray. Cognizant of the fact that the current regime in Asmara has never been elected and mandated by the Eritrean people to make any dealings on their behalf, Seedlings of Peace and Democracy Eritrea (SPDE) rejects any pacts and agreements to this effect as null and void. It abhorrently condemns statements coming from sources close to the Ethiopian Government regarding its claim of the Red Sea coast and the Port of Assab which are all within the sovereign territories of Eritrea.

SPDE reiterates that the ultimate solution for Eritrea and the region to return to peace and democracy, Isaias Afwerki should be removed from the power at any cost. With a view to removing the regime, therefore, SPDE earnestly expresses its commitment to intensify the fight. It calls upon all Eritreans to join the movement, neighboring countries and international community support it, so this goal can be achieved faster.

The Seedling for Peace and Democracy

PDF English.


ብምኽንያት ወግዓዊ ምስረታ ፈልሲ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ ካብ ውደብ ናጽነት (ውናት) ትግራይ ከምኡ’ውን ሳልሳይ ወያነ ትግራይ (ሳወት) ዝተዋህበ ናይ ሓጎስ መግለጽን: ሓቢርካ ናይ ምስራሕ ጻውዒትን: ፈልሲ ሰላምን ደሞክራስን ብሓጎስ ከም ዝተቐበሎን ንተግብራዉነቱ ክዓዪ ምኻኑ ክገልጽ ይፈቱ።

ፈልሲ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ ህላወ: ብቐንዱ ህዝቢን ሃገርን ንምድሓን ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ውልቀ መላኺ ስርዓት ኢሰይያስ ንምእላይን: ኣብ ኤርትራ ኩሉ ሓቆፍ ግዝያዊ መንግስቲ ንምትካል ዝቃለስ ህዝባዊ ሓይሊ ኮይኑ: ንድሕንነትን ረብሓን ህዝቢታት ኤርትራን ትግራይን ንምርግጋጽ: ምስ መንግስቲ: ፖለቲካውያን ሓይሊታት: ሲቪካዊ ማሕበራትን ህዝቢ ትግራይ ብሓፈሽ: ኣብ ኩሉ መዳይ ተሓባቢሩ ንኽሰርሕ ብመትከል ዝቃለስ ዘሎ ህዝባዊ ሓይሊ እዩ።

በዚ መሰረት ፈልሲ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ: ነቲ ስርዓት ኢሰይያስ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፈጽሞ ጽንተት: ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝቕጽሎን ዘውረዶን መጉዳእቲ ንምሕዋይ ዝከኣሎ ክገብር እዩ። ፈልሲ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ: ህዝቢ ትግራይ ካብ ከበባን ዕጽዋን ንኽወጽእ ጥራይ ዘይኮነ: ኣብ ቀጻሊ ክልቲኡ ህዝቢታትና ኣብ ጎደና ሰላምን ምዕባለን ንኽምርሽ ዓሊሙ ዝቃለስ ሓይሊ እዩ።

ፈልሲ ሰላምን ደሞክራሲን ኤርትራ ነቲ ብውድባትኩም ዝተዋህበ መግለጺ እንዳ ነኣደ: ናብ ተግባራዊ ስርሓት ከምርሓና ዝኽእል ርክባትን መደባትን ክሰጋገር በዚ ኣጋጣሚ ከዘኻኽር ይደሊ።

ሰላም ንህዝቢ ትግራይን ኤርትራን
ፈልሲ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ-ክፍሊ ድፕሎማሲ

PDF ትግርኛ.

We, members of the Seedling for Peace and Democracy in Eritrea, would like to pass on our heartfelt gratitude for your continued support of the Eritrean people by being the voice of the millions of voiceless Eritreans who have been silenced by a regime that doesn’t have any obedience to the rule of law and international declarations of human right values. As you know, 100 thousands of Eritreans including former high ranking officials and bright independent journalists have been languishing in the prison cells for over 21 years not to mention that the whole country is a giant prison! There are above 300 known and unknown prison compounds throughout the country including large residential buildings.

Our organization is established recently to bring all Eritrean organizations to work with people of the neighboring countries for democratic transition in Eritrea and peaceful coexistence in the region. As we are trying to keep up the pressure on the rogue regime we count on the support of the United States of America (an adopting country to many of us in this group) and other democratic countries in the world. We condemn the support the regime in Asmara has been giving to the Russian Government’s aggression against the people of Ukraine and surrounding countries. This is a dangerous move against the will of the Eritrean people. A peaceful Eritrea means a gate to sustainable development in the Horn of Africa and the Red Sea. We believe the last 25 years were missed golden opportunity for alleviation of poverty in the region. We are working tirelessly to assure the Eritrean people, the people of the neighboring countries, and US that the next several years they will work with a constitutional and democratic Eritrean Government.

Thank you for your attention and we look forward to working with you and your office in Asmara.

Very Respectfully,
Diplomatic Department, Seedling for Peace and Democracy in Eritrea

PDF English.


ፈልሲ ስለማን ደሞክራስን ኤርትራ: ንሙሉእ ህዝቢ ሶማልያ ከምኡ’ውን ነቲ ዳግም ፕረሲደንት ፈደራላዊት ረፓብሊክ ሶማልያ ኮይኑ ዝተመርጸ ክቡር ሓሰን ሸኽ መሓመድ ልባዊ ሓጎሱ ከም ዝተሰምዖ ክገልጽ ይፈቱ።

ፈልሲ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ: ህዝቢ ሶማልያ: ኣብ 15 ግንቦት 2022 ብግሉጽ ናይ ብቴሌቪዥን ኣገባብ ስልጣን ብምስግጋሩ: ታሪኽን ምስልን ሶማልያ ከም ዝተመሓየሸ ይኣምን። ሶማልያውያን: ነቲ ንዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ህውከት ዘሎ ዞባ ጽቡቕ ኣብነት ኮይኖም ኣለዉ።

ፈልሲ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ: ኣብ ሕሉፍ ኣሰር ፕረሲደንት ክቡር ሓሰን ሸኽ መሓመድ ሙርኩስ ብምግባር: ኣብ’ቲ ተኣፋፊ ዞባ: ሰላም: ደሞክራስን ምዕባለን ንኽሰፍን ኣወንታዊ ጸላዊ ሓይሊ ክኸውን ከምዝኽእል ዓቢ እምነት ኣለዎ። እዚ ከኣ: ንሶማልያ ጥራይ ዘይኮነ: ንሙሉእ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዓቢ ዓወት እዩ። ፈልሲ ሰላምን ደሞክራስን ኣብ ኤርትራ: እቲ ምርጫ: ኣብ ብሙሉእ እቲ ዞባ ሓዱሽ ናይ ስርዓት ሃዋሁዉ ከም ዘንብር ብልቢ ይኣምን።

ፈልሲ ሰላምን ደሞክራስን ምስ ሓዱሽ ምምሕዳር ክቡር ሓሰን ሸኽ መሓመድ ኣብ ናይ ሓባር ረብሓ ዝተሞርኮሰ ሃናጺ ናይ ምትሕብባር ጽምዶ ክገብር ትጽቢት ይገብር።

ፈልሲ ሰላምን ደሞክራስን: ንኻለኦት ሓይሊታት ብምትሕብባር ነቲ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃን ክንይኡን ናይ ዘይምርግጋእ ቀንዲ ተዋሳኣይ ዝኾነ ጨካን ውልቀ መላኺ ኢሰይያስ ኣፈወርቂ ካብ ስልጣን ንምውራድ ዝቃለስ ዘሎ ምንቅስቓስ እዩ።

ፈልሲ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ: ኣብ ኤርትራ ሰላምን ደሞክራስን: ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ከኣ ምርግጋእን ምዕባለን ንኽመጽእ ዓሊሙ ዝቃለስ ዘሎ ፖለቲካዊ ሓይሊ እዩ።

ዮሴፍ ገ/ሂወት
ላዕለዋይ ሓላፊ ፈጻሚ ኣካል
ፈልሲ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ

PDF ትግርኛ.

Seedling for Peace and Democracy in Eritrea would like to express its heartfelt congratulations to the people of Somalia in general, and to H.E. Hassan Sheikh Mohammed, the President-Elect of the Federal Republic of Somalia for his re-election to the Office of the Presidency of Somalia. Seedling believes, by effecting peaceful transition of power in a televised and transparent manner, on May 15, 2022 the people of Somalia have changed history and the image of Somalia for the better. You have become a good example for the region that has been engulfed in turmoil for decades.

Seedling for Peace and Democracy in Eritrea strongly believes the President-Elect, H.E. Hassan Sheikh Mohammed, true to his track record, will be a positive influence and force for peace, stability, democracy and prosperity to this volatile region. Thus, we do not consider this as only a win for Somalia but also for the entire Horn of Africa. We sincerely believe that this election has set the tone for a new code of conduct in the entire region.

Seedling for Peace and Democracy in Eritrea also envisions to engaging in constructive cooperative work, on matters of mutual interest, with the new administration of H.E. Hassan Sheikh Mohammed.

Seedling for Peace and Democracy in Eritrea is a movement of Eritreans who struggle for the removal of Dictator Isaias Afewerki from power by engaging other actors who have been negatively affected by his ruthless nature, a man who has been the main actor of instability in the Horn of Africa and beyond. Our organization aims at bringing about peace and democracy to the people of Eritrea and a stable and prosperous Horn of Africa region.

Yosief Ghebrehiwet
Head of the Executive Committee
Seedling for Peace and Democracy in Eritrea

PDF English.


ኤርትራ ሃገርና: ብሰንኪ እቲ ኣብ ኣስመራ ዘሎ ውልቀ መላኺ ስርዓት ኢሰይያስ ኣብ ቃራና መንገዲ ትርከብ። ህዝብና ኸኣ ኣብ ከቢድ ማሕበረ-ቁጠባዊ: ፖለቲካዊን: ወተሃደራዊን ቅልዉላዉ ይርከብ። ህዝብና ካብ’ቲ ኣትይዎ ዘሎ ኣዚዩ ከቢድ ኩነታትን ናይ ምጽናት ሓደጋን ንኽወጽእ ኣብ ቀጻሊ ቃልሲ ይርከብ። ከም መቐጸልታ ብሙሉእ ሓይሉ ነቲ ስርዓት ቦርቑቑ ንምልጋስ ዘተኮረ ፈልሲ ሰላምን ደሞክራስን ዝተባህለ ምንቅስቓስ ከም ዝተተኸለ ንህዝብና ነበስር።

ናይ’ዚ ህዝባዊ ሓይሊ ቀንዲ ዕላማን ራኢን: ህዝብን ሃገርን ምድሓን። ህዝብና ንሓዋሩ ብሓርነት ኣብ ጎደና ሰላም: ደሞክራስን ምዕባለን ንኽምርሽ ተኽእሎ ምፍጣር እዩ። ነዚ ክዉን ንምግባር: ንስርዓት ኢሰይያስ ብቕልጡፍ ብምእላይ: ኣብ ኤርትራ ንኩሉ ዝሓቖፈ ግዝያዊ መሰጋገሪ መንግስቲ ኣቑምካ: ስልጣን ንህዝቢ ምርካብ እዩ።

ፈልሲ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ ካብ ንጥፋት ውልቀሰባት: ሚድያ ጉጅለታት: ቤርጌሳውያን ማሕበራትን ፖለቲካውያን ሓይሊታትን ዝቖመ ኣብ ውሽጢን ኣብ ወጻእን ኤርትራ ፖለቲካዊን ወተሃደራዊን ሃገራዊ ሓይሊ ዝፈጠረ: ገና’ውን ብተሳትፎን ዋንነትን ኩሉ ህዝቢናን ፖለቲካዊ ሓይሊታትን እንዳ ሰፍሐን እንዳ ዓበየን ዝኸይድ ዘሎ ናይ ለውጢ ሓይሊ እዩ።

ናይ ኤርትራ ህላዉነት ከም ሃገር ብዘኽብርን ብዘርብሕን መንገዲ: ምስ ኩሎም ህዝቢታት ጎረባብትን ዓለምን: ብፍላይ ከኣ ምስ ህዝቢ ትግራይ ብምሽራኽ: ነቲ ጸረ ህዝቢ ኤርትራ: ዞባናን ዓለምን ኮይኑ ዘሎ ስርዓቲ ኢሰይያስ ብቕልጡፍ ክእለ ይጽውዕ።

በዚ ኣጋጣሚ: ፈልሲ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ: ነቲ ስርዓት ኢሰይያስ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ ዓመትን መንፈቕን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝፈጸሞን ዝፍጽሞን ዘሎ ገበን ዘርኢ ምጽናት: ናይ ኩናት ገበን: ከምኡ’ውን ናይ ንብረት ምዕናውን ምዝማትን ብትሪ ይኹንን።

ፈልሲ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ: ህዝቢ ትግራይ ካብ’ቲ ዘለዎ ከበባን ዕጽዋን ንኽወጽእ ከምኡ’ውን መሰል ርእሰ ውሳኔኡ ንኽረጋገጸሉ ሓቢሩ ይቃለስ። እዚ ምንቅስቓስ ኣብ ሞንጎ ህዝቢታት ኤርትራ: ትግራይ: ኢትዮጵያን ከምኡ’ውን ኩሎም ጎረባብትናን ዘላቒ ዕርቅን ሰላምን ክሰፍን እጃሙ ከበርክት እዩ።

ፈልሲ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ: ኣብ’ዚ ወሳኒ እዋንን መድረኽን: ህዝብና ነዚ ቃልሲ ክትሳተፎን ብኹሉ ክትድግፎን ንጽዉዕ። ተቓወምቲ ሓይሊታት’ውን እቲ ንህዝብኹምን ሃገርኩን ዘለኩም ሰናይ ባህጊን ድሌትን ኣብ ሃገርና ተመሊስኩም ከተተግብሩ ክትክእሉ: ሓቢርና ጸላኢና ንኣልየሉ እዋን ሕጂ ምኻኑ ከነተሓሳስብ ንደሊ። ኩሎም ናይ ግዳም መሻርኽትና ከኣ ዝከኣሎም ክሕግዙና በዚ ኣጋጣሚ ጻውዒትና ነቕርብ።

ፈልሲ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ

21 ምያዝያ 2022

PDF ትግርኛ.

Today, Eritrea sadly finds itself in a precarious condition mainly due to the ruthless totalitarian rule of President Isaias Afewerki. Mismanaged for many years, it has never come out of a series of violent conflicts its leader has instigated. Consequently, the people of Eritrea have been forced to suffer from immense political, socio-economic demographic and security crises. Despite this, the people of Eritrea have never stopped resisting the PFDJ’s brutal oppression. It is with all this in mind that a new movement, the Seedling for Peace and Democracy in Eritrea (SPDE), has been established, and has already started operating on the ground with the intention of uprooting the Isaias regime in Asmara.

The sole objective of the SPDE will be the salvation of Eritrea, thereby ushering a new era of peace, justice, freedom, democracy and development to all its citizens. Cognizant of the fact that this can only be realized after removing the regime first and then laying the groundwork for the establishment of an all-inclusive provisional government, the SPDE is committed to the realization of both with utmost urgency.

The SPDE has been established through the coordination and effort of individual activists, media outlets, civic groups and various political organizations both in Diaspora and Tigray. In a short period of time, the Movement has been able to emerge as a political force worth reckoning. This is a work in progress, and in time it intends to expand so as to include individuals and groups with divergent backgrounds and opinions.

The SPDE has also adopted a principled stand that it will work with all neighboring forces and peoples who share its vision and respect the national interest and integrity of the Eritrean nation. Against the backdrop of the genocidal war against the people of Tigray, the SPDE seeks maximum cooperation and coordination with the people of Tigray and its forces. It goes without saying that the SPDE strongly condemns the involvement of the Asmara regime in the genocidal war and all types of crimes it committed against the people of Tigray. It also expresses its readiness to stand shoulder to shoulder with the people of Tigray in their struggle until the illegal and inhumane siege is removed and their right for self-determination is recognized and respected.

Finally, we call upon all Eritreans to support, stand and strive along us for the realization of a free, peaceful, prosperous and democratic Eritrea.

The Seedling for Peace & Democracy in Eritrea

April 21, 2022

PDF English.